Saturday , May 4 2024

ትማል ሰንበት 154 በረራታት መንገዲ ኣየር ስካንዲናቭያ ተሰሪዞም።

ብምኽንያት ክሳብ ሕጂ ዝቕጽል ዘሎ ኣድማ ሰራሕተኛታት መንገዲ ኣየር ስካንዲናቭያ፡ ዛጊት 154 በረራታት ከም እተሰረዙ፡ ካብ ኣቪኖር እተረኽቡ ኣሃዛት ኣመልኪቶም።

ካብ 4 ሓምለ ኣትሒዞም፡ ፓይለታት መንገዲ ኣየር ስካንዲናቭያ ኣድማ ድሕሪ ምጅማሮም፡ ክሳብ ሕጂ 2,129 በረራታት ኖርወይ ምቊራጾም እቶም ኣሃዛት ወሲኾም ገሊጾም ኣለዉ።

ካብዞም ትማል ሰንበት እተሰረዙ 154 በረራታት፡ እቶም 74 ናይ ውሽጢ ሃገር ክኾኑ እንከለዉ 68 ናይ ሸንገን፡ 12 ከኣ ካብ ሸንገን ወጻኢ ዝኾኑ ኣህጒራውያን በረራታት እዮም።

ተሰሪዞም ዘለዉ በረራታት ኦስሎ 61፡  ትሮንዳይም 10፡  በርገን 8:  ቦዶ 7፡ ትሮምሶ 7፡ ስታቫንገር 5፡  ሃርስታድ/ ናርቪክ 4፡ ባርዱፎስ 2፡ ኪርኪነስ 2፡ ክሪስያንሳንድ 2፡ ኣለሱንድ: 1፡ ኣልታ 1፡ ክሪስትያንሱንድ 1፡ ሞልድ 1 እዮም።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com