Saturday , May 4 2024

ትምህርታዊ ሞያታት ኣብ ሽወደን

ገምጋም ንናይ ወጻኢ ሃገር ትምህርቲ

ግምገማ ናይ ወጻኢ ሃገር ትምህርቲ ብሽማግለ ዩኒቨርሲቲን ኮለጅን (UHR) ይግበር። ዝወዳእካዮ ሓደ ናይ ወጻኢ ሃገር ትምህርቲ እንተ ኣሎካ ኾይኑ፡ ምልክታ ብምልኣኽ ክግምገም ከም ዝኽእል ክትገብር ትኽእል ኢኻ።

ተወሳኺ ትምህርቲ

ኣብ ሽወደን ንሓደ ሓደ ናይ ሞያ ጕጅለታት ኣብ ዩኒቨርሲቲን ኮለጅን መመላእታ ትምህርትታት ኣሎ። ንመናበሪ ተምሃራይ (studiemedel) ከም ዝግብኣካ ይገብሩን ካብ 1 ክሳብ 2 ዓመት ንውሓት ኣሎዎምን። ንኣብነት ንስነ-ቍጠበኛታት፡ መሃንድሳት፡ ኣለይቲ ሕሙማት፡ ሰራሕተኛታት ማሕበራዊ ኣገልግሎት፡ ክኢላታት ተክኖሎጂ ሓበሬታ፡ ሓኻይምን መማህራንን ትምህርቲ ኣሎ።

ኣብ ሽወደን ቍጽጽር ዝግበረሎም ሞያታት

ኣብ ሽወደን ሓደ ሓደ ቍጽጽር ዝግበረሎም ሞያታት ኣሎዉ። እዚ፡ ኣብቲ ሞያ ንኽትሰርሕ እንታይ ከም ዝሓትት ኣብ ናይ ሽወደን ሕጊ ተገሊጹ ኣሎ ማለት እዩ። እዚ ንኣብነት ሓደ ውሱን ዲግሪ፡ ምርግጋጽ፡ ወረቐት ፍቓድ ወይ ካልእ ወግዓዊ ተቐባልነት ክሓትት ይኽእል እዩ። ናይ ከምዚ ዓይነት ሞያ ኣብነት፡ ሓኪምን መምህርን እዩ።

ናይ ዩኒቨርሲቲን ኮለጅን ሽማግለ (UHR)፡ ናብ ኣብ ሽወደን ቍጽጽር ዝግበረሎም ሞያታት ዘምርሑ ትምህርትታት ናይ ምግምጋም ሓላፍነት የብሉን። ኣብ ሓደ ቍጽጽር ዝግበረሉ ሞያ ክትሰርሕ እንተ ደሊካ፡ ምስቲ ብቑዕ ብዓል መዚ ተራኺብካ ኣብቲ ሞያ ንኽትሰርሕ መሰል ንኽህልወካ ከተመልክት ኣሎካ። https://utbildningsbedomning.uhr.se/

ምንጪ: information om sverige


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com