Friday , May 3 2024
FILE - In this Feb. 6, 2017, file photo, a Chinese national flag flutters against the HNA Group office building in Beijing. Companies that are part of HNA Group, a Chinese conglomerate that says creditors want it declared bankrupt after a global acquisition spree, want to recover as much as $15 billion that might have been paid out improperly to major shareholders. (AP Photo/Andy Wong, File) XAW201

ቻይና፡ ጎነጻዊት ትኸውን ኣላ ክትብል፡ ኣመሪካ፡ ትኸስስ

ቻይና፡ ኣብ ዘቤታዊ ጒዳያታ፡ ጨቋኒት፡ ኣብ ወጻኢ ጉዳያታ ኸኣ፡ ጎነጻዊት፡ እናኮነት ትመጽእ ኣላ ክብል ጸሓፊ ጒዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፡ ኣንቶኒ ብሊንከን፡ ንቻይና ወቒሱ። ንሱ ምስ CBS News ኣብ ዝገበሮ ቃለመሕትት፡ ኣመሪካ ንቻይና ክትዓግታ ከም ዘይትደሊ፡ እንተኾነ ግን፡ ኣህጒራዊ ሕጊ እናጠሓሰት ትም ኢላ ክትርእያ ከም ዘይሕሰብ ኣመልኪቱ። ክልቲኣተን ሃገራት፡ ኣብ ወተሃደራዊ ምፍጣጥ ክኣትዋ ንኽልቲኣተን ከም ዘየርብሕ ገሊጹ።

ኣብ ቀረባ እዋናት፡ ብፍላይ ምስ ስለያ፡ ንግድን ለበዳን ብዝተኣሳሰር፡ ዝምድና ክልቲአን ሃገራት፡ ሓርፊፉ ምህላዉ ጸብጻባት የመልክቱ። ዝምድና ቻይናን ኣመሪካን ንዝተረፈ ክፋል ኣመሪካ ዓብዪ ጽልዋ ዘለዎ እዩ ዝበለ እቲ ጸብጻብ፡ ቻይና ነቲ ኣብ እዋን ምምሕዳር ትራምፕ ተበላሽዩ ዝበለቶ ዝምድና ንኸመሓይሽ ናብ ፕረዚደንት ባይደን፡ ብተደጋጋሚ ጻውዒት ምግባራ ኣመልኪቱ። ጆ ባይደን ብወገኑ፡ ምስ CBS 60 Minutes፡ ኣብ ዝገበሮ ቃለመሕትት፡ ኣብ ወርሒ ለካቲት ምስ ቻይናዊ መዘናኡ፡ ዢ ዢንፒን፡ ኣብ ስፍሕ ዝበሉ ጒዳያት ንክልተ ሰዓታት ዘተ ኣካዪዱ ምንባሩ ገሊጹ’ሎ። ንሱ “ቻይና ኣብ ቊጠባዊ ጒዳያት ዘለዋ ኣካይዳ፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ስርቂ ኣእምሮ ምውፋራ ከም ዘሻቕለና ክንገልጸላ ጸኒሕና ኢና” ኢሉ። ኣመሪካ ነቲ ሕልኽልኽ ዝበለ ርክባት ክልቲአን ሃገራት ኣብ ግምት ብምእታው ክሳብ ሕጂ ንቻይና ጸላኢት ሃገር ኢላ ክትስይማ ከም ዘይደፈረት እንተኾነ ግና ቻይና ኣብ ንግድ እተርእዮ ዘላ ዘይቅርጥውን ጎነጻዊን ተጻባኢን ውድድር ከም ዘተሓሳሰቦ ኣስሚሩሉ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com