Thursday , May 2 2024
Foto: FLYGVAPNET/TT Nyhetsbyrån

ነፈርቲ ውግእ ሩስያ ንሉኣላዊ ክሊ ኣየር ሽወደን ግሂሰን።

ኣርባዕተ ነፈርቲ ውግእ ሩስያ ን ሉኣላዊ ክሊ ኣየር ሽወደን ብምጥሓስ ጥቓ ደሴት ጎትላንድ ክበራ ከም እተራእያ ሓይሊ ኣየር ሽወደን ብረቡዕ ገሊጹ።

ሓይሊ ኣየር ሽወደን ኣብ ምሉእ ቊጽጽር ክሊ ኣየሩ ምንባሩን ዘድሊ ምክልኻል ምክያዱን ምክትል ኣዛዚ ኣንደርሽ ፐርሶን ሓቢሩሎ።

“ኣብቲ ኣጋጣሚ ነፈርቲ ኲናት ነቲ ፍጻመ ክስንዳን ስእሊታት ከልዕላን ተልእኾ ተዋሂብወን ምንባሩ” ፐርሰኦን ንሬድዮ ሽወደን ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ኣመልኪቱ’ሎ።.


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com