Sunday , May 5 2024
Tokyo 2020 Olympics Organizing Committee President Seiko Hashimoto speaks during a regular press conference in Tokyo Friday, July 2, 2021. Banning all fans from the Tokyo Olympics is still an option with the games opening during a pandemic in just three weeks, Hashimoto said Friday. (Kyodo News via AP) TKMY801

ናሚብያውያን ኣትሌታት: ካብ ውድድራት ኦሊምፒክ ክእገዳ እየን

18 ዝዕድሜኣ ናሚብያዊት: ክሪስቲን ምቦማ: ካብ ኦሊምፒክስ ከም ትሰናበት ተጌራ ተባሂሉ።

ዝተሰናበተትሉ ምክንያት ድማ: ካብቲ ብ World Athletics ዝተወሰነ መጠን ተስተስትሮን ዝልዕል ነዝዒ ኣብ ኣካላታ ስለ እተረኽበ እዩ ተባሂሉ’ሎ። ምቦማ: ነቲ ን30 ዓመታት ተታሒዙ ዝነበረ ክብረ ወሰን ጒያ 400 ሜትሮ ዝሰበረት ኣትሌት እያ። እዛ ብረቡዕ ኣብ ፖላንዳዊት ከተማ ቢድጎሽች: ኣብ ዝተኻየደ ቅድድም: ነዚ ክብረ ወሰን ዝጨበጠት ኣትሌት ኣብቲ ኣብ ቶክዮ ዝካየድ ውድድር ንወርቂ ማዳልያ ተሓርያ ምንባራ ተፈሊጡ። እንተኾነ ግን፡ ናሚባውያን ተወዳደርቲ ዝኾና ምቦማን ዘላሊት ማሲሊንጊን ልዕል ዝበለ መጠን ነዝዒ ተስተስትሮን ኣብ ኣካላተን ስለ ዘለወን ካብ ውድድር ክእገዳ ምዃነን ኮሚተ ኦሊምፒክ ኣፍሊጡ’ሎ።

ክልቲኣተን ኣትሌታት: ስድራቤተን ይኹን ኣሰልጣኒአን ብዛዕባ ኣዚ ኲነታት ዝፈልጥዎ ነገር ኣይነበሮምን ክብል ኮሚተ ኦሊምፒክስ ናሚብያ ገሊጹ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com