Sunday , May 5 2024
Moderaternas partiledare Ulf Kristersson och migrationspolitiska talesperson Maria Malmer Stenergard intervjuas efter en digital pressträff i riksdagen. Foto: Anders Wiklund / TT kod10040

ናብ ሃገሮም ዝምለሱ ስደተኛታት፤ መንበሪ ፍቓዶም ንኽሰሓብ፤ እማመ ቀሪቡ

በዓል መዚ ኢሚግሬሽን ሽወደን፤ ንጉዳይ እቶም ኣብ ሽወደን ዑቕባ ሓቲቶም፤ መንበሪ ፍቓድ ድሕሪ ምሓዞም፤ ናብ ሃገሮም ዝምለሱ ስደተኛታት ብዝምልከት፤ መንበሪ ፍቓዶም ክሳብ ናይ ምምንጣል ዝበጽሕ፤ ትርር ዝበለ ፖሊሲ ክኽተል፤ ዝብል ብዓቃባዊ ሰልፊ ሽወደን ዝቐረበ እማመ፤ ኣብ ኣኼባ እቲ ሰልፊ ክዝረበሉ ምዃኑ ወሃቢት ቃል እቲ ሰልፊ፤ ማሪያ ማልመር ስቲነርጋርድ፤ ምስ ሬድዮ ኤኮት ኣብ ዝካየደቶ ርክብ ገሊጻ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።
እዞም ስደተኛታት፤ ካብቲ ኣብ ሃገሮም ዘጋጠሞም ዝነበረ ዓመጽን ሰብኣዊ ጥሕሰትን ንምድሓኖም፤ ኣብ ሽወደን፤ መንበሪ ፍቓድ ተዋሂብዎም እንከሎ፤ ናብታ ሃገር ክምለሱ ክትርኢ እንከለኻ፤ ንኣድላይነት ናይቲ መንበሪ ፍቓድን ንመን ክንህብ ከምዘለናን ኣብ ምልክት ሕቶ ዘእቱ እዩ ክትብል ማልመር ገሊጻ።
እዚ ሓድሽ እማመ፤ ነቶም ግዝያዊ መንበሪ ፍቓድ ዘለዎም ጥራይ ዘይኮነ፤ ወላ ነቶም ቀዋሚ መንበሪ ፍቓድ ዘለዎም ስደተኛታት ዝምልከት ክኸ ውን እዩ። ነቶም ዜግነት ሽወደን ዝወሰዱ ግን ከም ዘይምልከቶም ተገሊጹ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com