Saturday , May 4 2024

ናብ መስመር ብሪስ ዝገብር ጻውዒታት ይውስኽ

Credit: Claudio Bresciani/TT

ቁጽሪ ናይቶም ምስ ትካል መሰላት ህጻናት ብሪስ ዝራኸቡ ህጻናት ይውስኽ ኣሎ። ብመሰረት ሓድሽ ጸብጻብ፡ ዓሚ ኣስታት ፍርቂ ካብቲ ናብ መስመር ሓገዝ ብሪስ ዝተገብረ ጻውዒት ንሕማም ኣእምሮ ዝምልከት እዩ ነይሩ። እዚ ድማ ምስ ናይ 2022 ክነጻጸር እንከሎ ብ 42% ወሰኽ ኣርእዩ’ሎ። ጉዳይ ነብሰ ምጉዳእ እውን ኣብዚ ጻውዒታት ካብ ዝለዓሉ ጒዳያት እቲ ኻልእ እዩ። ዋና ጸሓፊ ብሪስ ማግኑስ ያገርስኮግ፡ ንመንእሰያት ንምሕጋዝ ኣብ ሕብረተሰብ ዝያዳ ክስራሕ ከምዘለዎ ይገልጽ። ንሱ ”ኣብ ዝተፈላለየ ኣገልግሎታት ዓቢ ሕጽረት ዓቕሚ ሰብ ከምዘሎ ንግንዘብ ኢና” ክብል ወሲኹ ኣመልኪቱ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com