Saturday , May 4 2024

“ናብ ማንቸስተር ዩናይትድ ክሰጋገር ድልው እየ” ልዋንዶውስኪ።

ፓላንዳዊ ኣጥቃዒ ክለብ ባይረ ሙኒኽን ተዓዋቲ ቡሉጽ ፊፋ 2020 ዝኾነ ሮበርት ልዋንዶውስኪ  ምስ ኢንግሊዛዊት ማንቸስተር ዩናይትድ ተሰሊፉ ክጻወት ዘልዎ ባህጊ ብምግላጽ ፣ ናብዛ ክለብ ንክሰጋገር ድልው ምህላዉ ገሊጹ። እዚ ቆማት ኣጥቓዒ ኣብ 2012 ብ ሰር ኣለክስ ፈርጉሰን ንምስግጋሩ ኣብ ጥርዚ እካ በጺሑ እንተነበረ፣ ክለብ ማንቸስተር ዩናይትድ ብዘራየእቶ ዛሕልታት ብ ጀርመናዊት ክለብ ዶርትመን ኣብቲ ምሰርሕ ኢዳ ብምሕዋስ ምስኣ ብምንጽንባር ድሕሩ ድማ ኣብ 2014 ናብ ባየር ሙኒኽ ከምዝተሰጋገረ ይፍለጥ።

እዚ ድንቂ ኣጥቓዓይ ምስ ክለብ ባየር ሙኒኽ ተሰሊፉ ካብ 307 ጸወታታት 266 ሸቶታት ብምምዝጋብ  ኩሉ ዓይነት ዋናጩ ብምዕታር ዕውት ግዜ ኣብ ምሕላፍ ዝርከብ ።እዚ ወዲ 32 ዓመት ሕጂ እውን ምስ ማንቸስተር ዩናይትድ ናይ ምስላፍ ድልየታቱ ብምርኣይ ምስዛ ክለብ ፍሉይ ፍቅሪ ከምዘለዎ ብምግላጽ ማዕጾ እዛ ኢንግሊዛዊት ክለብ ኣብ ሙንኩሕኻሕ ይርከብ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com