Sunday , May 5 2024
Migrants taken into care off the Canary Islands (Europa Press via AP) EM105

ናብ ደሴታት ካናሪ ዝረአ ዘሎ ዋሕዚ ስደተኛታት ወሲኹ

ንባሕሪ ብዘይበቕዓ ጀላቡ ተጠቂሞም ናብ ደሴታት ካናሪ ክኣትዉ ዝፈተኑ 100 ዝኾኑ ስደተኛታት፡ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዝኣተዉን፡ ብኣገልግሎት ህጹጽ ረዲኤት ስፓኛ፡ ሓገዝ ከምዝተገብረሎም ተፈሊጡ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።

ብመሰረት ጸብጻባት ህጹጽ ረዲኤት ስፓኛ፡ መብዛሕትኦም ካብቶም ስደተኛታት፡ ካብ ሰሜንን ምዕራብን ኣፍሪቃ ዝመጹ ምዃኖም ገሊጹ። እዞም ስደተኛታት፡ ምስቲ ዝሓለፍዎ ጸበባ ብምንጽጻር፡ ኣብ ዝሓሸ ኩነታት ከምዘለዉ፡ እቲ ጸብጻብ ብምውሳኽ ገሊጹ።

ናብ ስፓኛን ደሴታት ካናሪን ክኣትዉ ዝፍትኑ ስደተኛታት፡ ቁጽሮም ከምዝዛየደ ዝሓበረ እቲ ጸብጻብ፡ ካብ ዕለት 1 ጥሪ ክሳብ ዕለት 15 ነሓሰ ኣብ ዝነበረ እዋን ኣስታት 8 ሽሕ ዝኾኑ ሰደተኛታት ከምዝመጹን ምስቲ ኣብ ተመሳሳሊ እዋን ናይ ዝሓለፈ ዓመት ዝነበረ ቁጽሪ፡ ማለት 3 ሽሕ፡ ክነጻጸር እንከሎ ብልዕሊ ዕጽፊ ከምዝወሰኸ እዩ እቲ ኣሃዛዊ ጸብጻብ ዘርኢ።

ካብ ዝሓለፈ ዓመት ክሳብ ሕጂ ናብ ደሴታት ካናሪ ዝኣተዉ ቁጽሪ ስደተኛታት፡ ብገምጋም ክሳብ 23 ሽሕ ሰባት በጺሑ ምህላዉ፡ እቲ ጸብጻብ ሓቢሩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com