Saturday , May 4 2024
Jessica Gow/TT

ናይ ዝተቖርጸካ ዶሞዝ ካሕሳ ንኽትክፈል ከተመልክት ትኽእል

እቲ ካብ ስራሕ ናይ ዝተረፍካዮ ክፍሊት እንደገና ንኽተኣታቶ ብባይቶ ሽወደን ከምዝጸደቐ ተፈሊጡ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።
እንተቐልጠፈ፡ ነቲ ብሕማም ምኽንያት ኣብቲ ቀዳማይ መዓልቲ ዝዋሃብ ፍቓድ ብዝምልከት ዝሕተት ካሕሳ ሰኑይ ከም ዝቐርብ ናይ ሽወደን ትካል ማሕበራዊ ውሕስነት (Swedish Social Insurance Agency) ኣፍሊጡ።
መንግስቲ ብሰንኪ እቲ ኣብቲ ሕብረተሰብ ዝርአ ምስፍሕፋሕ ናይቲ መልከፍቲ ኣመልኪቱ፡ ብዙሓት ምስ ኮሮና ዝተተሓሓዙ ካሕሳታት እንደገና ንኽታኣታተው ወይ ድማ ክናውሑ እማመ ምቕራቡ ተፈሊጡ።
ብሕማም ምኽንያት ካብ ስራሕ ቦኺርካ ኣብ ገዛ ንዘሕለፍካዮ እዋን ነቲ withdrawal deduction መጠን ብዝምልከት ዝኽፈለካ ካሕሳ፡ ክሳብ መወዳእታ መጋቢት ናይዚ ዓመት እንደገና ከምዝተኣታቶ እቲ ባይቶ ብሮቡዕ ከምዝወሰነ ተፈሊጡ’ሎ።
እንድሕር ሓደ ሰብ ድሕሪ ታሕሳስ 8 ሓሚሙ ነይሩ፡ ነቲ ዝኽፈሎ ካሕሳ ንምቕባል ንድሕሪት ተመሊሱ ከመልክት ከዝኽእል ክፍለጥ ተኻኢሉ’ሎ።
ኣብ ፎሸክሪንካሳ (försäkringskassan) ፕረስ ሴክሬታሪ ዝኾነ፡ ጃኮብ ላገርክራንዝ፡ ከምዝበሎ፡ ነቲ ክፍሊት ብዝምልከት እንተቐልጠፈ ሰኑይ ምምልካት ከም ዝከኣል እዩ ዝገልጽ።
ነቲ ክፍሊት ቅድሚ ምምልካት ግና እቲ ትካል ማሕበራዊ ኢንሹራንስ ሽወደን መጀመርታ ነቲ መምርሒ ብዝምልከት ዓርቢ ዝውሰን ናይ መንግስቲ ውሳኔ ክጽበይ ከምዝግባእ ተፈሊጡ’ሎ።
“እቲ መስርሕ ክንጅምሮ ተዳሊና ኣለና። ኩሎም እቶም ውሳኔታት ከምዚ ትጽቢት ተገይሩሎም ዘሎ እንድሕር ኣብዚ ሰሙን ተወሲኖም፡ እቲ ተታሒዙ ዘሎ ትልሚ እንተቐልጠፈ ሰኑይ ንጉሆ ነቲ መስርሕ ክጅመር ምግባር እዩ” ክብል ጃኮብ ላገርክራንዝ ገሊጹ።
እቲ ኣብ ልዕሊ እቲ ትካል ማሕበራዊ ኢንሹራንስ ሽወደን ብዛዕባ ቫብ (vab)፥ ኣበል ናይ ሞያ፣ ናይ ግዜ ሕማም ጥቕሚታት ኮምኡ ድማ ናይ ዊዝድሮዋል ኣበል ብዝምልከት ዘሎ ጽዕንቶ ልዑል ምዃኑ እዩ ጃኮብ ላገርክራንዝ ዝገልጽ።
ይኹን እምበር ነቲ ትካል ማሕበራዊ ኢንሹራንስ ሽወደን እዚ ጉዳይ’ዚ ንምእላይ ዝውሰደሉ ናይ ግዜ መጠን ብዝምልከት ዝተዋህበ መልሲ ከምዘየለ ተፈሊጡ’ሎ።
ክሳብ ክንደይ ዝኸውን ጸቕጢ ከምዘሎ ክንርእይ ኢና። እቲ ለብዒ ናይ ኦሚክሮን ኣብ ግምት የእቲና ብርክት ዝበሉ ኣመልከትቲ ክህልው ከም ዝኽእሉ ምሕሳብ ወድዓዊ እዩ” ክብል ጃኮብ ላገርክራንዝ ኣፍሊጡ።
እቲ ክፍሊት ኣብ መጋቢት 20 ዝተኣታተወን ክሳብ መስከረም 30 ናይ ዝሓለፈ ዓመት ከገልግል ዝጸንሐን ኮይኑ፡ ኣብቲ እዋን መልከፍቲ ብመንግስቲ ዝተወስደ  ስጉምቲ ምንባሩ ዝዝከር’ዩ። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት፡ ኩሉ ሰብ ዝለዓለ ምልክት ናይ ኮቪድ-19 ምስ ዝረኣዮ ብዛዕባ ቁጠባ ከይተጨነቐ ኣብ ገዝኡ ንኽጸንሕ ብምሕሳብ ከምዝኾነ ዝፍለጥ’ዩ።
እቲ ውልቀ ሰብ እቲ ኣስራሒኡ ዝቖረጸሉ፡ ንኽምለሰሉ በቲ ኣብ ፎሸክሪንካሳ (försäkringskassan) ዘሎ ናይ ኢንተርነት ኣገልግሎት (e-service) ኣቢሉ ክሓትት ከምዝኽእል ተፈሊጡ’ሎ። እቲ ክሓቶ ዝኽእል ክፍሊት ድማ 810 ክሮኖር ምዃኑ ክፍለጥ ተኻኢሉ’ሎ።

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com