Sunday , May 5 2024
Vaccination against COVID-19. Foto: Johan Nilsson / TT / Kod 50090

ናይ ክታበት ሓበሬታታት፡ ናብ ኩሉ ኣይበጸሐን

ብርክት ዝበሉ ብሕማም ኮቪድ-19 ዝተጠቕዑን ኣብ ሆስፒታል ስኮነ ሕክምናዊ ምክትታል ዝግበረሎም ዘሎ ሰባት፡ ብዛዕባ ክታበት እኹል ዝኾነ ሓበሬታ ከምዘይበጸሖም ካብቲ ምምሕዳር ዝተረኽቡ ውሽጣዊ ሰነዳት ሓቢሮም ክብል ማዕከን ዜና ተተ ገሊጹ።

እዞም መብዛሕትኦም ዘይተኸትቡ ግዳያት ኮቪድ-19 ዝኾኑ ወጻእተኛታት ሕሙማን፡ ብዛዕባ ክታበት ይኹን ብኸመይ ኣገባብ ክታበት ክረኽቡ ከምዝኽእሉ፡ እኹል ኣፍልጦ ዘይብሎም ምዃኑ ሰነዳት ምምሕዳር ይሕብሩ ክብል ጋዜጣ  Kristianstadsbladet ኣብ ጸብጻቡ ሓቢሩ።

ኣብ ሆስፒታል ስኮነ፡ ሕክምናዊ ምክትታል ዝግበረሎም ዘሎ ግዳያት ኮቪድ-19 ዝኾኑ 38 ሕሙማን፡ ማእከላይ ገምጋም ዕድሚኦም ካብ 45 ዓመት ክሳብ 50 ዓመት ከምዝኾነ እቲ ጋዜጣ ሓቢሩ።

 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com