Monday , May 6 2024
Foto: Jessica Gow / TT kod 10070

ናይ ዓሎቕ ወንጀል፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ዓመታት ኣዝዩ ይውስኽ።

ሽማግለታትን ስንኲላንን ግዳይ ዝገብር ናይ ዓሎቕ ወንጀል፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ዓመታት ብ 80% ምውሳኹ ካብ ፖሊስ ሸወደን እተረኽቡ ኣሃዛት ኣመልኪቶም። ዝበዝሐ ካብዚ ዓሎቕ፡ ሰባት ዘይኮንዎ መሲሎም ብምቕራብ ካብ ካልኦት ሰባት ገንዘብ ብምውሳድ ዝፈጸምዎ እዩ ተባሂሉ’ሎ። ብፍላይ ድማ ፖሊስ፡ ሰራሕተኛ ባንክን ዘመድን ተመሲሎም ናብ ሰባት ብምቕራብ ገንዘብ ከም ዝወሰዱ እቲ ኣሃዝ ኣመልኪቱ።  ግዳያት ምትላል ዝኾኑ ዓማዊላ ናብ ከምዚ ዝበለ መጻወድያ ምውዳቖም ሕፍረት ከም ዝስምዖም፡ ኣብ “ኢንዱስትሪ ክንክን ኣባይቲ” እትሰርሕ ባርባራ ኩስበር ን ሬድዮ ሽወደን ሓቢራ’ላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com