Friday , May 3 2024
Pallbearers wait for the coffins to arrive at a state burial of government ministers who died of COVID-19, in Harare, Thursday, Jan. 21, 2021. Zimbabwean President Emmerson Mnangagwa who presided over the burial called the pandemic "evil" and urged people to wear masks, practice social distancing and sanitize, as cases across the country increased amid a fragile health system. (AP Photo/Tsvangirayi Mukwazhi) XTM101

ናይ ደቡብ ኣፍሪቃ ጅር (ዓሌት) ቫይረስ ኮሮና፡ ናብ ዚምባብወ ልሒሙ

እቲ ናይ ደቡብ ኣፍሪቃ ጅር ቫይረስ ኮሮና፡ ኣብ ጎረቤት ሃገር ዚምባብወ ብምስፍሕፋሕ፡ ንልዕሊ 60% ሕሙማት ኮሮና እታ ሃገር፡ ጠንቂ ምዃኑ ንሰብ መዚ እታ ሃገር ብምጥቃስ ቢቢሲ ሓቢሩ። ዚምባብወ፡ ዛጊት እዚ 501.YV2 ዝበሃል ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝተላብዐ ጅር ዝኣተወላ ካልኣይቲ ኣፍሪቃዊት ሃገር ምዃና ዝሓበረ እቲ ጸብጻብ፡ ሃገራት ቦትስዋና፥ ዛምቢያ፥ ጋናን ጋምቢያን እውን ኣዝዩ ውሑድ ይዂንምበር እዚ ቫይረስ ከም ተራእዩወን ተፈሊጡ ኣሎ። እዚ ብመንግስቲ ዚምባብወ ዝተዋህበ መግለጺ፡ ናይ ክልተ ሰሙን ዕጽዋ ድሕሪ ምእዋጁ፡ ዝሰዓበ ምዃኑ ቢቢሲ ወሲኹ ሓቢሩ። ዚምባብወ፡ ብሰኑይ 200 ሽሕ ብልቃጥ ጸረ ኮሮና ክታበት ብመልክዕ ረድኤት ካብ ቻይና ከም እተዋህበትን ካብ ሎሚ ሓሙስ ጀሚሩ ድማ ክታብት ክወሃብ ምዃኑን እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ገሊጹ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com