Monday , May 6 2024

ንታጋንዳ፡ 30 ሚልዮን ዶላር፡ ንግዳያት ክኽሕስ ብቤት ፍርዲ ገበናት (ICC) ተፈሪዱ

እቶም ከም ጾታዊ ምድፋርን ባርነትን ዝኣመሰሉ ቀጥታውን ዘይቀጥታውን ገበናት ኣብ ልዕሊኦም ብንታጋንዳ እተፈጸሞም ግዳያት፡ ካሕሳ ክረኽቡ እዮም ተባሂሉ’ሎ።

ኣህጒራዊ ቤት ፍርዲ ገበናት (ICC)፡ ነቲ ብዕጡቕ ጉጅለ ኮንጎ ዝበጽሐ ገበናት ግዱድ ምዕስካር ቆልዑ፡ ጾታዊ ምድፋርን ባርነትን ብዝምልከት፡ ናይ 30 ሚልዮን ዶላር ካሕሳ ክኽፈሎም ምብያኑ ኣልጀዚራ ጸብጺባ።

ይኹን እምበር፡ እቶም ደያኑ፡ ገበነኛ ቦስኮ ንታጋንዳ፡ ነዚ ካሕሳ ክኸፍል ዓቕሚ ክህልዎ ስለዘይክእል፡ ካብ ክዝና ናይቲ ቤት ፍርዲ ወጻኢ ብምግባር፡ ንግዳያት ዝኾኑ ሰባት፡ ናይ ሞያ ስልጠናን ካልእ ሓገዛትን ዝረኽቡሉ መደባት ክሽፍን ሓቲቶም ኣለዉ።

“ተርሚነተር” ብዝብል ሳጓኡ ዝጽዋዕ ንጋንዳ ኣብ 2019 እዩ ኣብ ልዕሊ ሰብኣውነት ብዝፈጸሞ ገበን ተኸሲሱ ን 30 ዓመታት ተፈሪዱ። ንሱ ኣብታ ብሚነራል ሃብታም ዝኾነት ሃገረ ኮንጎ ካብ 2002 ክሳብ 2003 ኣብ ዝነበረ እዋን፡ ኣማኢት ሲቪላውያን ምቕታሉን ኣሽሓት ድማ ብሰንኩ ምስዳዶምን ይፍለጥ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com