Thursday , May 2 2024
Minister for Justice and Migration Morgan Johansson Foto: Fredrik Sandberg / TT / kod 10080

ንወጻእተኛታት ሰራሕተኛታት ዝከለኸል ሓድሽ እማመ ቀሪቡ

ወሃቢ ስራሕ፡ ኣብ ልዕሊኡ ቀድታት እናሃለዉ፡ ናይ ስራሕ ፍቓድ እንተድኣ ሓቲቱ፡  ክወሃቦ ኣይክእልን እዩ። ብዘይካ እዚ፡ ነቲ ዘስርሖ ሰብ፡ ናይ መንበሪ ገዛ ኣገልግሎት ክህቦ እንተድኣ ኮይኑ ድማ፡ ብቕዓቱ ዝሓለወ ገዛ ከዳልወሉ ክግደድ እዩ። እዚኣቶም ገለ ካብቶም ንወጻእተኛታት ሰራሕተኛታት ንኽከላኸሉ ተባሂሎም ብመርማሪት ኣኒታ ሊንደር፡ ናብ ሚኒስተር ፍትሕን ኢሚግሬሽንን፡ ሞርጋን ዮሃንሰን፡ ዝቐረበ እማመ እዩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።

ብተወሳኺ፡ ኣብ ልዕሊ ወጻእተኛታት ሰራሕተኛታት፡ ብግሁድን ብዘይምኽኑይ ኩነታትን ዝካየዱ ምዝመዛ ዝኣመሰሉ ሓዲስቲ ኣገባባት ገበን፡ ብሰንኪ ብቕዓት ንሰራሕተኛታት ምስጓግ ደው ክብልን ዝብሉ ነጥብታት ኣብቲ እማመ ቀሪቦም ኣለዉ።

ናይ ስራሕ ስደት፡ ንብዙሓት ወገናት ብዝተፈላለዩ ኣገባባት ዘቖጠዐ እዩ። እቲ መስርሕ፡ ብዓሎቕን ምዝመዛን ናይ ሰራሕተኛታት ዝበዝሖ ክኸውን እንከሎ፡ ገሊኡ ድማ ብሰንኪ  ወሃቢ ስራሕ ኣብ ኣከፋፍላ ይኹን ኣብ ናይ መድሕን ኣገባባት ዝፍጽሞም ጌጋታትን ጉድለታትን፡ እቶም ሰራሕተኛታ ከምዝስጎጉ ይኾኑ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com