Saturday , May 4 2024
Dorothea OLDANI / Unsplash

ኖርወይ፡ ተወሰኽቲ 400 ዓሌታት ሓሸራ መዝጊባ። 

ኖርወይ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብሓድሽ ኣገባብን መፈንጠራን ኣቢላ ተወሰኽቲ 400 DNA ዓሌታት ሓሸራ ምእካባ ኖርወይ ቱደይ ሓቢራ። 

ካብ ቀረባ ዓመታት ኣትሒዙ ቊጽሪ ሓሸራታት ዓለምና ብናህሪ ከንቈልቊል ምጽንሑ ተመራመርቲ ጀርመን ድሕሪ ዘውጽእዎ መጽናዕታዊ ጽሑፍ ኣብ ኖርወይ ዘሎ ቊጽሪ ሓሸራታት ንምምርማር ዘንቀደ ወፍሪ ከም እተፈነወ ዝፍለጥ እዩ። በዚ ድማ ሓደስቲ DNA ክርከብ ከም እተኻእለ ጋዜጣ ኣፍቶንብላዴት ወሲኻ ሓቢራ። እዞም ሓሸራታት ኣብ ምብራቕ ኖርወይን ትሮንደላግን ኣብ ዝተነብሩ 30 መፈጠራታት ከም እተታሕዙን ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓመታት ጥራይ 16 ሽሕ ዓሌታት ሓሸራ ከም እተለለዩን ዝገለጸአት ኖርወይ ቱደይ ካብዚኣቶም እቶም 400 ቅድሚ ሕጂ ኣብ ሃገረ ኖርወይ ዘይፍለጡ ምንባሮምን ወሲኻ ኣመልኪታ’ላ። 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com