Thursday , May 2 2024
Foto: Stefan Hörberg/Rithuset AB

ኖርወይ፡ ኣስታት 600 ሓደስቲ ሕሙማት ኮሮና ናብ ሆስፒታል ኣትዮም።

ኣብ ኖርወይ ትማል ረቡዕ 598 ሓደስቲ ሕሙማት ኮሮና ናብ ሆስፒታል ምእታዎምን እዚ ድማ ድሕሪ ምኽሳት እዚ ለበዳ ዝተመዝገበ ዝለዓለ ኣሃዝ ምዃኑን ተገሊጹ። 46 ካብዞም ሕሙማት ኣብ ትሕቲ ጽዑቕ ክንክን ምህላዎም እውን ተመልኪቱ።

እዚ ኣሃዝ ምስቲ ኣብ ሰሉስ ዝነበረ እንክነጻጸር ናይ 26 ሕሙማት ወሰኽ ኣለዎ ተባሂሉ’ሎ።

ኣብ ሆስፒታላት ኖርወይ ካብ ዘለዉ ጠቕላላ 9,234 ሕሙማት እቶም 6.5% ብኮሮና ዝተለኽፉ ምዃኖም ዝሓበረት ኖርዌይ ቱደይ እዞም ኣብ ጽዑቕ ክንክን ዝርከቡ ሕሙማት 19.8% ካብ ጠቕላላ ኣብ ከምዚ ኲነታት ዝርከቡ ሕሙማት ከም ዝኾኑ ወሲኻ ኣረዲኣ።

ብመሰረት እቲ ዳይረክቶሬት ጥዕና ኖርወይ ትማል ረቡዕ ዝሃቦ ገምጋም ካብዞም ኣብ ጽዑቕ ክንክን ዝርከቡ ሕሙማት እቶም 19 ናይ ምስትንፋስ ሓገዝ ይግበረሎም ኣሎ።

ካብ ወርሓ ለካቲት 2020 ንደሓር ኣብ ኖርወይ 1,257,079 ሰባት ብኮሮና ከም እተታሕዙ ጸብጻባት እቲ ዳይረክቶሬት ወሲኹ የመልክት።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com