Thursday , May 2 2024
(AP Photo/Sakchai Lalit) THA201

ኖርወይ፡ ኣብ ትሩንደላግ 11 ሰባት ብምውናን ዕጸፋርስ ተኸሲሶም።

ኣብ ሃልዳለንን መልሃስን ክልተ ሕርሻታት ካናቢስ ዝተባህለ ዕጸ ፋርስ ከም እተረኽበን ፖሊሲ ትሩረላግ 11 ሰባት ምስሲ ገበን ብምትሕሓዝ ምኽሳሶምን ተገሊጹ።

ብዘይካዚ ብርክት ዝበለ ናውቲ መፍረዪ እዚ ዕጸፋርስ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምእታዉ፡ እዚ ድማ ክሱሳት ነዚ ስራሕ ኮነ ኢሎም ተተሓሒዞሞ ምንባሮም ዘመልክት ምዃኑ ኣብ መደበር ፖሊስ ሄምዳል ሓላፊ መርመራ ፐር ክሪስቻን ስቶክ ን ጋዜጣ ኣድረሲቬን ኣብ ዝሃቦ ቃል ኣረዲኡ።

ብርክት ዝበለ ኣብዚ ኣባይቲ ዝፈሪ ዝነበረ ዕጸ ፋርስ ካናቢስ ኣብ ትሕቲ ቊጽጽር ምውዓሉን እዚ ድማ ንመሸጣ ተባሂሉ ዘፈረየ ምንባሩን ወሲኩ ገሊጹ።

በዚ ክሲ ዝድለዩ 11 ሰባት ኮይኖም 6 ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ክኣትዉ እንከለዉ 5 ጥርጡራት ዛጊት ይድለዩ ምህላዎምን ኲሎም ክሱሳት ካብ ምብራቕ ኣውሮጳ ዝመጹ ምዃኖምን እታ ጋዜጣ ወሲኻ ጸብጺባ።.


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com