Thursday , May 2 2024

ኖርወይ፡ ዝኽሰት ምዝሕታል ቊጠባ ጽልዋኡ ክንድቲ እተፈርሀ ኣይክኸውንን እዩ።

ኣብ ኖርወይ፡ ኣብዚ ሓድሽ ዓመት ምንቊልቋል ቊጠባ ከጋጥም ከም ዝኽእል፡ እንተኾነ ግና እዚ ዝኽሰት ድሕሪ ሓያል ዕቤት ብምዃኑ ስምብራቱ ክንድቲ ዘስግእ ከም ዘይከውን፡ ኣብ ባንክ DNB ዋና ክኢላ ስነቚጠባ ሸርስቲ ሆግላንድ ገሊጻ።

ኣብ መዓልቲ ሓድሽ ዓመት፡ ኣህጒራዊ ማዕከን ገንዘብ (IMF) ኣብ ፍርቂ ኣውሮጳዊ ሕብረት ምንቊልቋል ቊጠባ ከጋጥም ከም ዝኽእል መጠንቀቕታ ምውጽኡ ዝፍለጥ እዩ። እዚ ኣብ ሲሶ ካብ ቊጠባ ዓለምና ዘጋጥም ዘሎ ምዝሕታል ቊጠባ እዩ።

“ኖርወይ ኣብ ካልእ ክፋል ዓለም ብዝኽሰት ቊጠባዊ ኲነታት ተጸላዊት እያ። ቊጠባ ዓለም እንተሓሚቑ ጽልዋኡ ኣብ ኖርወይ’ውን ክረአ ባህርያዊ እዩ። በዚ ድማ፡ ኣብ ኖርወይ ምዝሕታል ቊጠባ እንተተኸስተ ከየገርመና የብሉን” ክትብል ሸርስቲ ን ኣገልግሎት ዜና NTB ሓቢራ’ላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com