Thursday , May 2 2024
TT,Foto: Kjell Johansson / LÄNSSTYRELSEN / Handout / kod 10500

ኖርወይ፥ ሃድን ቶዂላ ደው ክብል ጻውዒት ቀሪቡ።

ሓምላይ ሰልፊ፥ ማሕበርነታዊ ጸጋማይ ሰልፊ ከምኡውን ሊበራዊ ሰልፊ ምስ እማመ ባይቶ ሰልፊ ከም ዝሰማምዑ ብምግላጽ ኣብ ልዕሊ ዞባ ቶዂላ ዝግበር ውጥን ሃድን ደው ክብል ሓቲቶም ኣለዉ።

ኣብ ኖርዌይ እቲ ናይ ሃድን ግዜ ዳርጋ ተውዲኡ ክንሱ መንግስቲ ከናውሖ ይውጥን ምህላዉን እዚ ድማ ሎሚ ሰሉስ ውሳነ ክወሃበሉ ምዃኑን እዩ ዝግለጽ ዘሎ። ኣብዚ ቀዳመ ሰንበት ኣብ ከባቢ ኢንላንደት ከምኡውን ቪከን ብውሕዱ 10 ቶኹላ ከም እተቐትሉ  ኖርዌይ ቱደይ ሓቢራ።

“ባይቶ ኖርዌይ ኣብ ዞባ ቶዂላ ዝግበር ሃድን ደው ክብል ከም ዝግባእ” እዘን ሰለስተ ሰልፊታት ዘቕረባኦ እማመ ሓቲተን ኣለዋ።

“እዚ ኣብዚ እዋን ዝካየድ ዘሎ ሃድን ብብዙሓት ሰባት ተቐባልነት የብሉን። ዞባ ቶዂላ እዞም እንስሳ እንኮ ሓለዋ ዝረኽቡሉ ቦታ እዩ፥ ንብዙሕነት ባህሪ ኖርዌይ ዘሕዝን ኲነታት እዩ” ክብል መራሒ ሓምላይ ሰልፊ ኡን ባስቶልም ኣተሓሳሲቡ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com