Thursday , May 2 2024

ኖርወይ፥ ብምኽንያት ጽንብል ሓድሽ ዓመት ብዝተተኮሰ ርችት ናይ ዓይኒ መጒዳእቲ

ሓሙሽተ ቆልዑ ዝርከብዎም ዓሰርተ ሰባት፡ ብምኽንያት ጽንብል ሓድሽ ዓመት ብዝተተኮሰ ርችት ናይ ዓይኒ መጒዳእቲ በጺሕዎም። ሰለስተ ካብዚኣቶም ክብድ ዝበለ ማህሰይቲ ክወርዶም እንከሎ፡ ብሰንኪዚ ናይ ምርኣይ ዓቕሞም ብዘይንዓቕ መጠን ክጎድል ከም ዝኽእል፡ እቶም ዝተረፉ ግና መጠነኛ ጒድኣት ጥራይ ከም ዝበጽሖም ነባር ክሊኒክ በርገን ገሊጹ’ሎ። ክልተ ካብዞም ኣርባዕተ ተጎዳኣቲ፡ ኣብ ጎደና ኮይኖም ርችት ክትኮስ ይዕዘቡ ምንባሮም፡ እንተኾነ ግና ናይ መከላኸሊ መነጽር ወድዮም ብምንባሮም ማህሰይቶም ክንኪ ምኽእሉ ኣብ ሕክምና ዓይኒ ዩኒቨርሲቲ ሆክላንድ ነባር ሓኪም ኒልስ ቦል ን ጋዜጣ ኖርወይ “NRK” ገሊጹ’ሎ።

ኣብ ዋዜማ ሓድሽ ዓመት ብብዝሒ መስተ ዝሰተዩ ሰባት ናብ እኩብ ሰብ ዘለዎ ቦታታት ርችት ከም ዝትኲሱን በዚ ድማ ማህሰይቲ ዓይኒ ከም ዝወርድን ማዕከን ዜና “ዘ ሎካል” ጸብጺባ’ላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com