Saturday , May 4 2024

ኖርወይ ምስ ሩስያ ክህሉ ዝኽእል ግጭት ኣመልኪታ ድልውቲ ክትከውን መተሓሳሰቢ ቀሪቡ

ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬይን እትፍጽሞ ዘላ ወራር ድሕሪ ምዝዛም ናብ ኖርወይ ክትግልበጥ ስለእትኽእል፥ ኖርወይ ምስ ሩስያ ክህሉ ዝኽእል ግጭት ኣብ ግምት ብምእታው ድልውቲ ክትከውን ሚኒስተር ምክልኻል እታ ሃገር ኣተሓሳሲቡ። ንሱ ሩስያ ንሓድሽ ኣባልነት ፊንላንድን ሽወደንን ናብ ኔቶ ጎነጻዊ ምላሽ ክትህብ ከምእትኽእል ሓቢሩ’ሎ። ካልኦት ሃገራት ኔቶ’ውን ተኽእሎታት መጥቃዕቲ ሩስያ ሓዊሱ ኣብቲ ዞባ ሰላም ንምዝራግ መደብ ከምዘለዋ ኣብ ዝሓለፉ ሒደት ኣዋርሕ ብግልጺ ኣጠንቂቐን እየን። ቢዮን ኣሪልድ ግራም ትማሊ ሶኑይ ኣብ ባይቶ ወተሃደራዊ ማሕበር ኦስሎ ኣብ ዝሃቦ መደረ፡ “ሩስያ ንኣባልነት ፊንላንድን ሽወደንን ናብ ኔቶ ኣመልኪታ ምድልዋታን ገምጋማን ክትምርምር ከምእትኽእል ኣብ ግምት ብምእታው ንኹሉ ድሉዋት ክንከውን ከድልየና እዩ” ኢሉ። እቲ ላዕለዋይ በዓል መዚ ነዚ ዝበለ ሽወደን ናብ ሕቚፊ ውድብ ኔቶ ንምእታው ዝካየድ ዘሎ ልዝብ፡ ብ ሃንጋሪን ተዓጊቱ ኣብ ዘለወሉ እዋን እዩ። ፊንላንድ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ሚያዝያ ናብቲ ውድብ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ ዝተጸንበረት መበል 31 ኣባል ኮይና፡ እዚ ድማ ነታ ንውሁድ ወተሃደራዊ ሓይሊ’ቲ ኪዳን ከም ሓደጋ እትርኢ ሩስያ ብቚጥዐ ምልዕዓሉ እዩ ዝንገር። በዚ ድማ ግራም፡ ሰራዊት ኖርወይ ክኸስት ንዝኽእል ኲናት ድልዋት ክኾኑ ኣለዎም ኢሉ። ኖርወይ ኣብ ሃገራዊ ምክልኻል እትገብሮ ወፍሪ ክትውስኽ ከምዘለዋ’ውን ግራም ሓቢሩ’ሎ። ኣብ ሩስያ ዝነበረ ኣሰራት ዲሞክራሲ ምህሳሱ ዝገለጸ ግራም ሩስያ ከማና ክትከውን ምዃና ዝሕብር ዝኾነ ምልክት የለን ክብል ኣመልኪቱ። “እቶም ውሑዳት ተቓውሞኦም ከስምዑ ዝፍትኑ ሩስያውያን ይምቊሑ ወይ ናብ ኲናት እዮም ዝለኣኹ ኣለዉ። ኣብኡ ድማ ቀለብ ዓረር ገብርዎም ኣለዉ” ኢሉ። ኣብ ሩስያ ዝኾነ ድምጺ ተቓውሞ ናጻ ሚድያ ወይ ሲቪላዊ ማሕበረሰብ ናጽነት ከምዘየለን በዚ ድማ እቲ ጨፍላቒ ስርዓት ብዘይዝኾነ ገደብ ኣናገበለ ክመጽእ ክኢሉ’ሎ ክብል ወሲኹ ገሊጹ። እዛ ጎነጻዊት ሩስያ ኲናት ኣንጻር ዩክሬን ምስተዛዘመ እውን ከምዚ ዘላቶ ምቕጻላ ኣተርፋን እዩ ክብል ግራም ኣብ ኣስተምህሮኡ ሓቢሩ። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሚኒስተር ምክልኻል ጀርመን ቦሪስ ፒስቶሪየስ፥ ሩስያ ኣብ ዝቕጽላ ሓሙሽተ ክሳብ ሸሞንተ ዓመታት ንሓንቲ ኣባል ሃገር ኔቶ ከተጥቅዕ ተኽእሎ ከምዘለዋ ኣጠንቂቑ ነይሩ እዩ። ዳርጋ መዓልታዊ ካብ ክረምሊን ምፍርራሕ ንሰምዕ ኣሎና … ስለዚ ቭላድሚር ፑቲን ሓደ መዓልቲ ንሓንቲ ሃገር ኔቶ ከይተረፈ ከጥቅዓ ከምዝኽእል ኣብ ግምት ከነእቱ ኣለና ክብል ንጀርመናዊ ማዕከን ዜና ደር ታገስፒገል ተዛሪቡ። ብኻልእ ሸነኽ ኩሎም ዜጋታት ሽወደን ንኲናት ድልዋት ክኾኑ ኣለዎም ክብሉ ዋና ኣዛዚ ሰራዊት ሓልታት ምክልኻል ሽወደን ካርል ኦስካር ቦህሊን ከምኡ’ውን ሚኒስተር ሲቪላዊ ምክልኻል ሚካኤል ባይደን ኣጠንቂቖም ምንባሮም ዝዝከር እዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com