Sunday , May 5 2024
Jonas Gahr Støre justifies the decision partly by stating that the omikron variant differs from previous variants. Foto: Håkon Mosvold Larsen / NTB

ኖርወይ እገዳታት ተፏኽስ

መንግስቲ ኖርወይ፡ መብዛሕትኦም እቶም እገዳታታ ናይ ኮሮና ቫይረስ፡ ካብ ሰዓት 11 ናይ ምሸት ጀሚሩ ከልዕሎም ምዃኑ ተፈሊጡ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።

 “ናብ ሓድሽ ምዕራፍ ናይቲ ለበዳ ኣቲና’ለና” ክብል ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ጆናስ ጋህር ስቶረ፡ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ኣፍሊጡ።

መንግስቲ ኖርወይ ኣብዚ ውሳነ ክበጽሕ ዝኸኣለ ብርክት ዝበሉ ተቐማጦ ኖርወይ ኣንጻር ኮቪድ-19 ክታበት ምውሳዶም ስዒቡ፡ እቲ ሕጂ ዘሎ ናይ ኦሚክሮን ጅር ግና ዝተፈልየ ዓይነት ብምዃኑ እዩ ክብል ጋህር ስቶረ ብሰሉስ ምሸት ኣብ ዝሃቦ ጋዤጣዊ መግለጺ ኣፍሊጡ።

 “ኣብ መውዳእታ ኣብዚ ሕጂ እዋን እቶም ኣብዚ ክረምቲ ሓቢርናዮም ዝኸረምና መብዛሕትኦም እገዳታት ክላዓሉ ኣብ ዝኽእሉሉ ብርኪ በጺሕና ኣለና። ሕጂ እቲ ናይ ኦሚክሮን ጅር ዝተሓተ መጉዳእቲ ናይ ሕማም ዘብጽሕ ዓይነት ናይ ቫይረስ ምዃኑን እቲ ክታበት ድማ ንብዙሓት ኣብ ኖርወይ ዝነብሩ ሰባት ጽቡቕ መከላኸሊ መድሓኒት ምዃኑን ፈሊጥና ኣለና” ክብል ጋህር ስቶረ ገሊጹ።

እዚ እፎይታ ማለት ኣብ ቁጽሪ ናይ ገዛ ኣጋይሽ ወይ ድማ ኣብ ደገ ዝግበሩ ውራያትን ንጥፈታትን ብዝምልከት ንቑጽሪ ናይ ሰባት ምድራት ኣድላይ ከምዘይኮነ ማለት ምዃኑ እዩ ክብል NRK ዝሕብር። ቺነማታት፣ ትያትራትን ኣብያተ ኽርስትያናትን ብዝምለክት፡ ኣጋይሾም ኣብ ነናቶም መናብር ኮፍ ዝብሉ እንተኾይኖምን ኣብቲ ከባቢ ብሓፈሻ ርሕቀት ክሕሎ ዝኽእል እንተኾይኑን ነቶም ሰባት ክራሓሓቑ ምግባር ኣየድልዮምን እዩ ተባሂሉ’ሎ። ቤት መግቢታትን ባራትን ብዘይ ናይ ጣውላን ኣገልግሎትን ሕግታት ካሳብ እቲ ቅድሚ ሕጂ ዝነበረ ልሙድ ሰዓታት ክኽፈቱን ኮምኡ ድማ ቤት ትምህርትታትን ዩኒቨርሲቲታትን ከም ልሙድ ስርሐን ክቕጽላ ከምዝግበር ተፈሊጡ’ሎ።

 “ናብ ሓድሽ ምዕራፍ ናይቲ መልከፍቲ ኣቲና ኣለና፡ ምስ ብዙሕ መልከፍቲ ድማ ክንነብር ኢና፡ ክንነብር’ውን ንኽእል ኢና። መብዛሕትና ኣብ ዝመጽእ ዓመት ክንልከፍ ከም እንኽእል ኣብ ግምት ከነእቱ ይግባኣና፡ ሓደ ክንገብሮ ንኽእል እነተሎ ብዙሓት ሰባት ኣብ ተመሳሳሊ እዋን ንኸይልከፉ ምጥንቃቕ እዩ ዝኸውን” ክብል ጋህር ስቶረ ኣታሓሳሲቡ።

እቲ እገደኣታት ምልዓል ዓርቢ ሰዓት 11 ናይ ምሸት ክትግበር’ዩ። ይኹን እምበር፡ መንግስቲ እቲ ዝነበረ ናይ ሓደ ሜትሮ ርሕቀት ምሕላውን ኣብ ድኳናትን ናይ ህዝባውያን መጓዓዝያ ድማ ርሕቀት ክሕለው እንተዘይተኻኢሉ ናይ ኣፍ ማስክ ምግባርን ክቕጽሉ ምሕጽንታ ከም ዘቕረበ ክፍለጥ ተኻኢሉ’ሎ።

 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com