Saturday , May 4 2024
Foto: Heiko Junge / NTB

ኖርዌይ፥ ኣብ እዋን ለበዳ ኣባልነት ማሕበር ኮንፈደሬሽን ምዕባዩ ተገሊጹ።

ኮንፈደሬሽን ሞያተኛታት ኖርወይ ኣባላቱ ናብ 390000 ምዕባዩን 8500 ካብዚኣቶም ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ጥራይ እተጸንበሩን ምዃኖም ተገሊጺ። ዝበዝሐ ወሰኽ ኣባልነት ኣብ ማሕበር ትምህርቲን ማሕበር ነርሲታት ሞርዌይን ከም እተመዝገበ ዝገለጸ መርበብ ሓበሬታ ኖርዌይ ቱደይ ካብዘን ማሕበራት 4500 ከምኡውን 2100 ዝኾኑ ኣባላት ከም እተጸንበሩ እቲ ኮንፈደሬሽን ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሩ። “ኣባላትና ምውሳኽ ማለት ኣብዚ ስሉሳዊ ምትሕብባር ዘሎ ዓቕሚ ይውስኽ ኣሎ ማለት እዩ፥ እዚ መሰረታዊ ኣሰራርሓ ሞዴል ኖርዌይ እዩ” ክትብል መራሒት እቲ ማሕበር ራግንሂልድ ሌድ ገሊጻ። እዚ ማሕበር ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት ጥራይ ኣባላቱ ብ 30 ሽሕ ምዕባዮም ውድብ ዕዮ በሰኑይ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ኣረጋጊጹ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com