Friday , May 3 2024
A US Postal Service carrier delivers a package during a snow storm Friday (AP Photo/Charles Krupa) NHCK103

ኣመሪካን ካናዳን ማዕበል ወቕቲ ሓጋይ፡ ጒድኣት ኣውሪዱ 

ኣብ ኣመሪካን ካናዳን ብሰንኪ እተኸስተ ማዕበል ውርጪን በረድን ወቕቲ ሓጋይ፡ 80 ሚልዮን ህዝቢ እዘን ሃገራት ኣብ መጠንቀቕታ ኲነታት ኣየር ክኣትዉ ጌሩ ምህላዉ ተገሊጹ።

ብሰንኪ እዚ ማዕበል፡ 145 ሽሕ ህዝቢ፡ እዘን ስቴታት ደቡባዊ ምብራቕ ብዘይ ጸዓት ምትራፎምን በረራታት ኣቋሪጾም ምህላዎምን ጸብጻብ ቢቢሲ ሓቢሩ’ሎ።

ዛጊት ስቴታት ቨርጂንያ፡ ጆርጂያ፡ ሰሜንን ደቡብን ካሮላይና ናይ ህጹጽ እዋን ሓደጋ ኣዊጀን ኣለዋ። ኣገልግሎት ሃገራዊ ኲነታት ኣየር ኣመሪካ ብወገኑ፡ ኣብ ገለ ከባቢታት ክሳብ 30 ሰንቲ ሜተር ዝርጒዱ ውርጪ ክወርድ ከም ዝኽእል ኣጠንቂቑ’ሎ።

ውርጪን በረድን “ሓደገኛ ዝኾነ ናይ ጒዕዞ፡ ምጥፋእ ጸዓትን ምብራስ ኣግራብን ከውርድ ይኽእል እዩ” ክብል እቲ ትካል ወሲኹ ኣጠንቂቑ’ሎ።

ብመሰረት ወኪል ዜና AFP፡ ብምኽንያት እዚ ኣጋጣሚ፡ ኣማኢት ሓደጋታት መኪና ተኸሲቱ ኣሎ። ብዘይካዚ ንኒውዮርክን ኮነክቲከትን ሓዊስካ ኣብ ገለ ከባቢታት ምዕልቕላቕ ገማግም ባሕሪን ምዕናው መንገዲታትን ትሕተ ቅርጽን ከጋጥም ከም ዝኽእል ተገሊጹ’ሎ።

ኣብታ ምስ ስቴት ኒውዮርክ እትዳወብ ኣውራጃ ካናዳ ዝኾነት ኦንታርዮ፡ እውን ካብ ትማል ሰንበት ኣትሒዙ ናይ እተመሓላለፈ ኣብ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ቶሮንቶ ኸኣ ክሳብ 20 cm ዝኸውን ውርጪ ክኽሰት ከም ዝኽእል መተሓሳሰቢ ከም እተመሓላለፈ ተሓቢሩ’ሎ።

በዚ ድማ ትማል ሰንበት፡ ክሳብ 3000 በረራታት ኣቋሪጹ ምንባሩ ነዚ ጒዳይ ዝከታተል FlightAware ዝተባህለ መርበብ ሓበሬታ ኣመልኪቱ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com