Wednesday , May 1 2024

ኣመሪካዊ ዜጋ ን “ፊሊፕ ሞሪሰን” ይኸስስ

Credit: Henrik Montgomery/TT

ሓደ ኣመሪካዊ ውሉፍ ናይቲ ኣብ ሽወደን “ጻዕዳ ስኑስ” ተባኢሉ ዝጽዋዕን እናተዓሸገ ዝሽየጥን ዓሌት ኒኮቲን ብምዃኑ ኣብ ኣመሪካ ንዝርከብ ዓቢ ትካል ትምባኾ ፊሊፕ ሞሪስን ከሲሱ። ንሱ ብዘይካዝዚ ነቲ ኣብ ሸወደን ብኻልኣይ ደረጃ ዝስራዕ ጫሊዳ ትካል ከሲሱ’ሎ። እቲ ፍርያት ትምባኾ ስኑስ መብዛሕትኡ ግዜ ካብቲ ስሩዕ ልዕል ዝብል መጠን ኒኮቲን ከም ዘለዎን፡ ካብ ሽጋራ ድማ ኣዝዩ ዝበዝሕ ምዃኑን ኣብ ዩኒቨርሲቲ ዮተቦሪ ተመራማሪት ኒኮቲን ሉዊስ ኣደርማርክ ትገልጽ። ይዂንምበር “ጥርዓናት ምንም ጭብጢ የብሎምን ኢልና ኢና ንኣምን፥ ብትሪ ኸኣ ክንከላኸለሉ ኢና” ክብል ፊሊፕ ሞሪስ ንሬድዮ ሽወደን ሓቢሩ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com