Thursday , May 2 2024
Spring break tourists walk alongside Ocean Drive in Miami Beach, Fla., Sunday night, March 21, 2021. An 8 p.m. curfew has been extended in Miami Beach after law enforcement worked to contain unruly crowds of spring break tourists. (Carl Juste/Miami Herald via AP) FLMIH607

ኣመሪካ፡ ኣብ ማያሚ ቢች፡ ናይ ህጹጽ እዋን ሓደጋ ይእወጅ

ብምኽንያት ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮሮና፡ ኣብ ማያሚ (ኣመሪካ) ናይ ህጹጽ እዋን ሓደጋ ከም እተኣወጀ ቢቢሲ ሓቢራ።

ኣብዛ ደሴታዊት ስቴት፡ ካብ ሰዓት 20:00 – 6:00 ኣብ ዘሎ ግዜ፡ ሰዓታት እቶ እቶ ክእወጅን እዚ ድማ ክሳብ 12 ሚያዝያ ኣብ ተግባር ክውዕል እዩ።

ብዘይካ’ዚ፡ ኣብ ሰዓታት እቶ እቶ፡ ቊጽጽር ትራፊክ፡ ከምኡውን ኣብ ገማግም ዝካየድ ቢዝነሳት ደው ክብል እዩ ተባሂሉ’ሎ። ኣሽሓት በጻሕቲ ብምምጻኦም ኣብዛ ከተማ ሕንፍሽፍሽ ኣትዩ’ሎ ክብል ከንቲባ ማያሚ ቢች፡ ዳን ጌልበር፡ ገሊጹ’ሎ። ብዝሖም ርኢኻ ናይ ሙዚቃ ኮንሰርት ዝዕዘቡ እዮም ዝመስሉኻ፥ ክዓብድ ዝደለየ እንተሎ ናብ ካልኡ ክኸይድ ይኽእል እዩ” ክብል ድማ ን CNN ሓቢሩ።

ኣብ ወርሓት መጋቢትን ሚያዝያን፡ ኣብያተ ትምህርቲን ዩኒቨርሲታትን ኣመሪካ ስለዝዕጸዋ፡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ተመሃሮ፡ ናብ ማያሚ ቢች፡ ክዘናግዑ ከም ዝኸዱ ይፍለጥ። ብዙሓት ካብዚኣቶም ማስክ ምውዳይን ካልእ ጥንቃቐታትን ካብ ምግባር ሸለል ይብሉ ምህላዎም፡ ምንጪ ሻቕሎት ይኸውን ምህላዉ ድማ ተሓቢሩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com