Sunday , May 5 2024
The US is easing restrictions on vaccinated arrivals from the EU and the UK. (AP Photo/Julie Jacobson)

ኣመሪካ፥ ሕግታት ኢሚግሬሽን ኣፍኲሳ

ኣመሪካ ካብ ኣውሮጳዊ ሕብረትን ብሪጣንያን ንዝመጹ ገያሾ ብዝምልከት ሕግታት ኢሚግሬሽን ከም ዘፍኰሰት ተገሊጹ። እዞም ገያሾ ክቱባት ክኾኑ ኣለዎም ተባሂሉ’ሎ።

ካብ ዝቕጽል ወርሒ ጀሚሩ እዚ ኣብ ግብሪ ክውዕል እዩ ክብል ኣብ ምምሕዳር ባይደን ኣወሃሃዲ ምክልኻል ለበዳ ጀፍሪ ዜንትስ ገሊጹ።

ብዘይካዚ ኣብ ቻይና ብራዚል ብርክት ዝበላ ሃገራት ኣውሮጳን ዝነብሩ ዜጋታታ ፍዂስ ዝበለ መምርሒ ክትክተል ምዃና ተፈሊጡ’ሎ።

ለበዳ ኮሮና ካብ ዝኽሰት ንደሓር ናይ 18 ኣዋርኝ ሕጊታት ብ ዶናልድ ትራምፕ ከም ከም እተኣታተዉ ዝዝከር እዩ።

ኣብ መንጐ ኣመሪካን መሻርኽታ ሃገራት ኣውሮጳን ዘሎ ዝምድና ኣብ ዝላሕልሓሉ እዋን እዩ እዚ ምፍኳስ ሕጊታት ምምሕዳር ባይደን ዝኽሰት ዘሎ።

ዘይተኸትቡ ዜጋታት ኣመሪካ ካብቲ ህሉው ሕጊታት ዝያዳ ጽንክር ዝበለ ሳምፕሊን ከሕልፉ ከም ዘለዎም እውን ተጠቒሱ’ሎ።

 

ሚኒስተር ወጻኢ ጒዳያት ሽወደን ሃገሩ ዜጋታታ ናብ ኣመሪካ ንጓዓዙ ከም ዘይትመክር ምግላጹ ዝዝከር እዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com