Friday , May 3 2024
members of the surgical team show the pig heart for transplant into patient David Bennett in Baltimore (Mark Teske/University of Maryland School of Medicine via AP) NY891

ኣመሪካ … ሓደ ዜጋ: ብጀነቲካዊ ኣገባብ ዝተመስርሐ: ልቢ ሓሰማ: ተጌሩሉ

ሓደ ኣመሪካዊ ዜጋ: ብጀነቲካዊ ኣገባብ ካብ ዝተመስርሐ ሓሰማ ዝተረኽበ ልቢ ተጠቒሞም ሓካይም ምትካእ ኣካላት ከም ዘካየድሉ ተገሊጹ። እዚ ብዓይነቱ ናይ መጀመርታ ዝኾነ ተመኩሮ ንኽዛዘም ሸውዓተ ሰዓታት ወዲኡ ተባሂሉ’ሎ።

75 ዝዕድሜኡ ደቪድ በነት: ድሕሪቲ ምትካእ ኣካል (Transplant) ኣብ ጽቡቕ ኲነታት ጥዕና ምህላዉ ተገሊጹ። ዕድል ምቕጻል ህይወት በነት: ኣብ ዝተናውሐ ከመይ ከም ክኸውን ኣብ ቀጻሊ ዝረአ እኳ እንተኾነ: ህይወቱ ንምድሓን ግና ከም እተኻእለ ጸብጻብ BBC ኣመልኪቱ።

ነዚ ምስግጋር ኣካላት ካብ ምፍጻም ወጻኢ: ዝነበረኒ ኣማራጺ ሞት እዩ ኔሩ፥ ዕድለይ ክርኢ ኣሎኒ ኢለ እየ ኣትየዮ ክብል በነት ድሕሪ ሓደ መዓልቲ ድሕሪዚ መስርሕ ኣብ ዝሃቦ መግለጺባ ኣረዲኡ። ኣብ ማእከል ሕክምና ዩኒቨርሲቲ ሜሪላንድ ዝርከቡ ዶክተራት: ነዚ ብዓይነቱ ፈለማይ ዝኾነ ምስግጋር ኣካላት ከካይዱ: ብምቊጽጻር ሕክምና መንግስቲ ኣመሪካ: ምሉእ ፍቓድ ከም እተዋህቦምን ናይዚ ምኽንያት ድማ በነት እዚ ሕክምና እንተ ዘይተጌሩሉ ክምወት እዩ ዝብል መደምደምታ ምዃኑን ተገሊጹ።

እዚ ዕዉት ምስግጋር ኣካላት: ኣብ ታሪኽ ሕክምና ሓደ ነጥበ መቐይሮ ምዃኑ ነዚ መስርሕ ብዓወት ዝፈጸሙ ጒጅለ ሓካይም ወሲኾም ሓቢሮም።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com