Monday , May 6 2024
(Ukrainian Presidential Press Office via AP) DCJE528

ኣመሪካ F-16 ዝዓይነተን ነፈርቲ ኲናት ናብ ዩክሬይን ከም ዘይትልእኽ ገሊጻ።

ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን፡ “F-16” ዝዓይነተን ነፈርቲ ኲናት ናብ ዩክሬይን ከም ዘይልእኽ ገሊጹ። ሰብመዚ ዩክሬይን ኣመሪካ ሓገዝ ምክልኻል ኣየር ክትገብረሎም ኣብ ዝሓትሉ ዘለዉ እዋን እዩ፡ ባይደን ነዘን ነፈርቲ ከም ዘይልእከን ሓቢሩ ዘሎ። ንሱ፡ ብቕድሚ ትማሊ ሰንበት፡ “ኣመሪካ ን ዩክሬይን F-16 ዝዓይነተን ነፈርቲ ኲናት ብሓገዝ ክትህብ ድያ” ብምባል ንዝቐረበሉ ሕቶ፡ ብንጹር “ኣይፋል” ዝብል መልሲ ሂቡሉ’ሎ። ምስ ወናኒት ኑክሌራዊ ኣጽዋር ዝኾነ ሩስያ ዝግበር ዘሎ ኲናት፡ ካብቲ ዘለዎ ብዝያዳ ክዓርግ ስለ ዘይትደሊ ናይ ነፈርቲ ሓገዝ ን ዩክሬይን ክትህብ ከም ዘይትደሊ፡ ኣመሪካ ገሊጻ’ላ።

ዝሓለፈ ቐዳም ቻንስለር ጀርመን ን ዩክሬይን ሓገዝ ነፈርቲ ኲናት ከም ዘይትህብ ገሊጹ ኔሩ እዩ። ኣብ መንጎ ዩክሬይንን ሩስያን ኣብ ዝካየድ ዘሎ ኲናት፡ ዩክሬይን ክሊ ኣየራ ብግቡእ መታን ክትቆጻጸር ሃገራት ኔቶ ናይ ነፈርቲ ሓገዝ ክገብራላ ክትሓትት ምጽንሓ ዝፍለጥ እዩ።

ኣብ ኣመሪካ ዝስርሓ “F-16” ኣዝየን ውጽኢታውያን ኮይነን’ ከምኒ ፓኪታንን በልጂዬምን ዝኣመሰላ ሃገራት ከም ዝውንነአን ጸብጻባት የመልክቱ።

 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com