Saturday , May 4 2024
U.S. President Joe Biden (AP Photo/Andrew Harnik, File) XAZ914

ኣሜሪካ፡ ንሰራዊት ኣውሮጳ ትሕግዝ

ሩስያ፡ ንዩክሬይን ክትወርር እያ ዝብል ስግኣት ኣንጸላልዩሉ ኣብ ዘሎ እዋን፡ ኣሜሪካ፡ ኣብዚ ሰሙን ናብ ኣህጒር ኣውሮጳ ተወሳኺ ሰራዊት ክትልእኽ ከም ዝኾነት ን ፕረዚደንት ጆ ባይደን ብምጥቃስ ፔንታጎን ገሊጹ።

ካብ ፎርት ብራግ፥ ሰሜን ካሮላይና 2000 ዝኸውን ሰራዊት ናብ ፖላንድን ጀርመንን፥ 1000 ዝኾኑ ኣብ ጀርመን ዝጸንሑ ኸኣ ናብ ሮማንያ ክለኣኹ እዮም። እዞም ሰራዊት ኣሜሪካ፡ ናብ ኣህጒር ኣውሮጳ ዝለኣኹ ዘለዉ፡ ናብ ኲናት ክኣትዉ ዘይኮነ ንሰራዊት ምክልኻል ኣውሮጳ ንምድንፋዕ እዩ ተባሂሉ’ሎ።

ሩስያ ኣብ ዶብ ዩክሬይን 100ሽሕ ዝግመት ሰራዊት ኣጸጊዓኳ እንተሃለወት ንዩክሬይን ናይ ምውራር መደብ ከም ዘይብላ እያ ትገልጽ። ነዚ ናይ ኣሜሪካ ተግባራት ድማ “ኣዕናዊ እዩ” ክትብል ገሊጻቶ’ላ።

ሩስያ ቅድሚ ሸሞንተ ዓመታት፡ ነቲ ደቡባዊ ክፋል ዩክሬይን ዝነበረ ሓውሲ ደሴት ክሬምያ ምውራራ ከይኣኽላ፡ ነቲ ኣብ ዞባ ምብራቕ ዶንባስ ዝነበረ ህዝባዊ ሸብሮ ድሕሪ ምድጋፋ ምስ ምዕራባውያን ሃገራት ዘለዋ ርክብ ወጥሪ ዝመልኦ እናኾነ ምምጽኡ ጸብጻባት የመልክቱ። ሞስኮ ብወገና፡ መንግስቲ ዩክሬይን፡ ነቲ ኣብ ምብራቓዊ ክፋል ዓለም ሰላም ክሰፍን ዝጽውዕ ስምምዕ ሚንስክ፡ ኣየኽበረን ኢላ ክትወቅስ ጸኒሓ’ላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com