Sunday , May 5 2024
Foto: Fredrik Sandberg / TT / Kod 10080

ኣሜሪካ፡ ኣብ ልዕሊ ሽወደን ኣንቢራቶም ዝነበረት ቀይድታት ኮቪድ፡ ተትርር

ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ፡ እቲ ቅድም ክብል ብሰንኪ ምስፍሕፋሕ ቫይረስ ኮሮና ናብ ሽወደን ኣብ ልዕሊ ዝግበሩ ጉዕዞታት ዝነበረ መጠንቀቕታ፡ ካብ ምድብ 3 (ዝለዓለ ሓደጋ) ናብ ምድብ 4 (ኣዝዩ ዝለዓለ ሓደጋ) ተኽርሮ ከምዘላ ኣፍሊጣ። ማልታን ሞልዶቫን እውን ካብ ምድብ 3 ናብ ምድብ 4 ከም ዝተሰጋገራ ክፍለጥ ተኻኢሉ’ሎ።
ይኹን እምበር፡ ድሮ መብዛሕትአን ኤውሮጳውያን ሃገራት እንትርፊ ኣልባንያን ኮሶቮን፡ ኣብ ምድብ 4 እየን ዝርከባ። ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ንባዕላ፡ ኣብቲ ኣዝዩ ዝለዓለ ናይ ሓደጋ ምድብ ማለት ድማ ኣብ ምድብ 4 እያ ትርከብ።
በዓል መዚ ተቖጻጻሪ ተመሓላለፍቲ ሕማማት ኣሜሪካ (CDC)፡ ኣብ ገጻት መርበብ ሓበሬትኡ፡ ገያሾ ናብ ምድብ 4 ዝኾና ሃገራት ንኸይከዱ ከምዘተሓሳሰበ ኣፍሊጡ። ጒዕዞኦም እንድሕር ዘይተርፍ ኮይኑ ግና ገያሾ፡ ክትባት ኣንጻር ኮቪድ-19 ንኽወስዱ የታሓሳስብ።
እዚ ናይ ሽወደን ናብ ምድብ 4 ክብ ምባል ግና፡ እቶም ካልኦት ኣብ ሞንጎ ኣሜሪካን ሽወደንን ዝነበሩ ሕጊታት ናይ ጉዕዞ ይቕየሩ ማለት ኣይኮነን።

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com