Monday , May 6 2024

ኣሽሓት ካብ መሬት ትግራይ ይጭወዩ ኣለዉ

ኣብታ ብኲናት እትሕመስ ዘላ ክልል ትግራይ ሓይልታት ጸጥታ ክልል ኣምሓራ ሰባት ይጨውዩን መሬት የፈናቕሉ ምህላዎምን ሰብ መዚ ገሊጾም። ዋና ስታፍ ግዜያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ገብረመስቀል ካሳ ካብ 3000-5000 ዝኾኑ ተቐማጦ ብሓይልታት ጸጥታ ክልል ኣምሓራ ካብ መሬቶም ተፈናቒሞን ብ 60 ናይ ጽዕነት መካይን ናብ ሽረ ከም እተደርበዩ ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣብ ናይ ሎሚ ሕታሙ ሓቢሩ።

ክልል ኣምሓራ ነቲ ኣብ ወርሒ ሕዳር 2020፡ ብቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፡ ኣብ ልዕሊ ክልል ትግራይ እተኻየደ ወራር ምሉእ ደገፎም ምሃቦም ዝዝከር እዩ። ብመሰረት ሰብመዚ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ እቲ ኲናት ንህወሓት ካብ ስልጣን ንምእላይ ተባሂሉ ዝተገብረ ኮይኑ፡ ህወሓት ንሰራዊት ኢትዮጵያ ብምጥቕዑ ዝብል ምኽንያት ከም እተዋህቦ ተገሊጹ።

ኣምሓራ ኣብ 1991፡ ህወሓት ናብ ስልጣን ምስ መጸ፡ መሬትና ወሲዱልና እዮም ዝብሉ። ነቲ ኣጃንስ ፍራንዝ ፕረስ ዘቕረበሎም ናይ ኣሃዛት ሕቶ ክምልስዎ ፍቓደኛታት ዘይምዃኖም ድማ ሓቢሮም ኣለዉ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ የካቲት፡ ሚኒስተሪ ጒዳያት ኣመሪካ፡ ኣንቶኒ ብሊንከን፡ ሓይልታት ኣምሓራን ኤርትራን ካብ ክልል ትግራይ ብህጹጽ ክወጹ ዝብል ጠለብ ምቕራቡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ቊጥዐ ምፍጣሩን መንግስቲ ኢትዮጵያ “ኣዝዩ ዘጽልእ” ክብል ምግላጹን ይዝከር።

ኣብ ዝሓለፋ ሓደ/ክልተ ሳምታት ክሳብ 10 ሽሕ ዝኾኑ ሰባት ካብ ምዕራብ ትግራይ ተፈናቒሎም ናብ ከተማ ሽረ ምምጻኦምን “እዚ ኲነታት ኣሻቓሊ” እናኾነ ይመጽእ ምህላዉን ኣፈኛ MSF ኬት ዋይት ገሊጻ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com