Saturday , May 4 2024

ኣቑሑ ገዛን ካልእ ንብረትን ንምግዛእ፡ ገንዘብ ተለቅሑ።

ሓደ ኮምዩን፡ ማለት ከባብያዊ ምምሕዳር፡ ንዓኻትኩም ወይ ንቤተሰብኩም፡ ከም ስደተኛታት ተቐቢሉ ገዛ ምስ ዝህበኩም፡ ኣቑሑ ገዛን ካልእ ንብረትን ንምግዛእ፡ ካብ በዓል መዚ ትምህርታዊ ደገፍ (CSN) ክትልቅሑዎ እትኽእሉ ገንዘብ ኣሎ። እዚ ኸኣ፡ “ልቓሕ መግዝኢ ንብረት-ገዛ” (hemutrustningslån) ተባሂሉ ይጽዋዕ። ክንደይ ዝኸውን ገንዘብ ክትልቅሑ ከም ዝፍቀደኩም፡ ኣብ ቁጽሪ ኣባላት ስድራ ከምኡ’ውን፡ እቲ ገዛ፡ ምስ ንብረቱ ድዩ ወይስ ባዶ ኢኹም ተረኪብኩሞ ዝብል ረቛሒታት ይውስኖ።

ልቓሕ ንመግዝኢ ናውቲ ገዛ ክትሓቱ ምስ እትደልዩ፡ ምስቲ ኣብ ኮምዩንኩም ዘሎ ፈጻሚ-ጒዳይኩም፡ ወይ ከኣ ምስ ኣብ ቤት ጽሕፈት መራኸብቲ-ስራሕ ዘሎ ናይ መትከል-እግሪ፡ ፈጻሚ-ጕዳይኩም(etableringshandläggare) ተዘራረቡ። ብሓባር ኴንኩም ናይ ልቓሕ-ቅጥዒ ብምምላእ፡ ናብ ብዓል መዚ ትምህርታዊ-ደገፍ (CSN) ትልእኹዎ። ኣብታ ኮምዩን ካብ ዝኣተኹምላ ዕለት፡ ኣብ ውሽጢ2 ዓመት ከተመልክቱ ኣለኩም።

ልቓሕ ንመግዝኢ ናውቲ-ገዛ’፡ ስሙ ከም ዘመልክቶ፡ ልቓሕ እዩ። እዚ ማለት ከኣ፡ እቲ እትልቅሑዎ መጠን ገንዘብ፡ ውዒልኩም ሓዲርኩም፡ ምስ ወለዱ ናብቲ ዘለቅሓኩም ትካል ማለት በዓል መዚ ትምህርታዊ-ደገፍ (CSN) ክትመልሱዎ ኣለኩም። ካብ ሽወደን ወጻኢ ዓዲ ምስ እትቕይሩ’ውን ነቲ ገንዘብ ክትከፍሉዎ ኣለኩም።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com