Thursday , May 2 2024

ኣበል ዩክሬናውያን ኣይክውስኽን እዩ ተባሂሉ

Credit: Jessica Gow/TT

መንግስቲ ንዩክሬናውያን ስደተኛታት ዝወሃብ መዓልታዊ ኣበል ከምዘይውስኽ፥ ኣብ ክንድኡ ዩክሬናውያን ኣብ መዝገብ ህዝቢ ንኽኣትዉ ነቲ መስርሕ ከቀላጥፍ ድሌት ከም ዘለዎ ተገሊጹ። እዚ ድማ ንዩክሬናውያን ዝያዳ ተበጻሕነት ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና፡ ማሕበራዊ ውሕስነት፥ ሓገዝ ኤጀንሲ ሽቕለትን ገለ ካልእ ጥቕምታትን ክህቦም እዩ ክትብል ሚንስተር ኢኒግሬሽን ማርያ ማልመ ስተነጋድ ን ሬድዮ ሽወደን ገሊጻ’ላ። ርግጽ’ዩ፡ እዚ ንውሕ ዝበለ ሕጋዊ መስርሕ ዝሓትት ብምዃኑ ግዜ ክወስድ ይኽእል እዩ ክትብል ስተነጋድ ወሲኻ ገሊጻ’ላ። ይኹን ምበር ገለ ኣባላት ሰልፊታት ተቓወምቲ ሽወደን ነዚ መደብ ይነቕፍውዎ’ለዉ። ኣፈኛ ፖሊሲ ኢሚግሬሽን ጸጋማይ ሰልፊ ካርል ደሚንስተር እዚ ሓሳብ ክትግበር ኣዝዩ ዘጸግም እዩ ኢሉ ክልፎ እንከሎ፥ ኣባላት ሰልፊ ማሕበራዊ ዴሞክራሲ ግና ነቲ ሓሳብ ብሓጎስ ከም ዝቕበልዎ ገሊጾም ኣለዉ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com