Saturday , May 4 2024

ኣቡመያንግ ክታሙ ብምንባር ን ኣርሰናል ዝከኣሎ ከበርክተላ ምዃኑ ገሊጹ

ብሰንኪ ምድንጛይ ምንባር ክታሙ ን ቡዙሓት ኣሻቂሉ ዝጸንሔ ሓደ ካብ ቡሉጻት ኣጥቃዕቲ ዓለምና ዝኾነ ሓለቓ ጋንታ ክለብ ኣርሰናል ፔረ ኣቡመያንግ ን ክለብ ኣርሰናልን ደገፍትን ኡፈይታ ፈጢሩ። ኣቡመያንግ  ምስ ቦርድ ኣባላት ክለብ ኣርሰናል ድሕሪ ንኣዋርሕ ዝወሰደ ዝርርብ ትማሊ ኣማሲኡ ምስታ ገዛይ’ሉ ዘኣምነላ ክለቡ ኣርሰናል ንሰለስተ ዓመት ዘጽነሖ ውዕል ክታሙ ኣቀሚጡ።

 ኣቡመያንግ ንጋዜጠኟታት ኣብ ዝሃቦ ሓጺር መብርሂ ” እዛ ክለብ ንዓይ ቤተይ እያ ህላውነተይ ምስዛ ክለብ ድማ ናተይ ናይ መላእ ስድራ ቤተይ ሕልሚ ናብ ጋህዲ ዝተቀየረሉ እዩ፣ ምስ ኣባላት እዛ ክለብ ብሙኻን ንኣርሰናል ዝከኣለኒ ከበርክተላ ድልው ኢየ ክብል ገሊጹ።

ኣቡመያንግ ኣብ 2018 እዩ ካብ ክለብ ቦርስያ ዶርትመን ብ 60ሚልዮን ዝተሰጋገረ ኮይኑ ስጋብ ሕጂ ኣብ ዝገብሮ 111 ጸወታት ብድምር 72 ሸቶታት ኣመዚጊቡ ይርከብ። ኣቡመያንግ  ኣብዚ ናይ ሕጂ ሓዱሽ ውዕል 250,000 ፓውንድ እንዳተኸፍለ’ዩ ን 3ተ ዓመት ዘጽነሖ ውዕል ዝፈረመ ኮይኑ፣ ምስ ካልእ ጥቅምታት ተሓዊሱ ሰሙናይ ስጋብ 350,000 ፓውንድ ኣታዊ ዘኻዕብት ኮይኑ ፣እዚ ድማ ድሕሪ ሞሲት ኦዚል ዝልዓለ መሃያ ኣብዛ ክለብ ዝወድስ ክኸውን እዩ።

ኣቡመንያንግ ነዛ ታርኻዊት ቁጽሪ 14 ማልያ ብምልባስ ምስቶም ተዘከርቲ ተጻወቲ በዛ ቁጽሪ 14 ሰብ ክብረወሰን ዝኾኑ ሄንሪን ኢያን ራይት ክስራዕ ትጽቢት ቡዝሓት እዩ ዘሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com