Sunday , May 5 2024

ኣብዘን ክልተ መዓልታት ኣብ መብዝሕትኡ ክፋል ሽወደን በረድ ክህሉ ትጽቢት ይግበር።

ብመሰረት ሓበሬታ ኣገልግሎት ሜትሮሎጂ ሽወደን ን ሎሚ ሰሉስ ኣብ ዞባታት ጎትላንድን (Götaland) ገለ ክፋል ስቨላንድ ( Svealand ) ስጋብ 10 ሰሜ ዝዓቐኑ ብረድ ክህሉ ብሙኻኑ ናይ ቀደማይ ደረጃ መጠንቐቕታ የመሓላልፍ። ከምእውን ሲጋብ 15 ሰሜ ዝዓቐኑ ጻዕቒ ዘልዎ በረድ ኣብ ከባብታት ሰሜናዊ ክፋል Västergötland, inre Dalsland och Jönköping ክህልው ምኻኑ ኪኢላ እዚ ዓውዲ ዝኾነ ላሰ ይሕብር።

ካብ ሮቡዕ ጀመሩ ድማ ኣብ መላእ ሽወደን ዛሕሊ ዝዓበለሎ ኩነታት ኣየር ክህሉ ሙኻኑን፣  ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ሽወደን ግን ዝሓሸን ጸሓይ ዝዓብለሎ ኩነታት ኣየር ክህሉ ሙኻኑ ትጽቢት ይግበር ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com