Sunday , May 5 2024
Foto: Robin Ek / TT / kod 10510

 ኣብያተ መግቢታት: ድሕሪ ሰዓት 11 ድ.ቐ. ክዕጸዋ እየን

ኣገልግሎት ንኽህቡ ዝተፈቕደሎም ቤት መግቢታት: እንተደንጎየ ሰዓት 11 ናይ ምሸት: ክዕጸው ምዃኑ ቀዳመይቲ ሚኒስተር: ማግዳሊና ኣንደርሶን:  ኣብ ዝተጋበአ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢራ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።

ካብ ወርሒ ጥሪ ጀሚሩ ሓደሽቲ መምርሒታት ክትግበሩ ምዃኖም ዝተፈለጠ ኮይኑ፡ እቶም ካብ ገዛ ኮይኖም ስርሖም ክሰርሑ ዝኽእሉ ኣብ ገዝኦም ኮይኖም ክሰርሑ ክጅምሩ እዮም ማለት’ዩ። ኣገልግሎት ንኽህቡ ፍቓድ ዘለዎም ቤት መግቢታት ሰዓት 11 ናይ ምሸት ክዕጸውን ህዝቢ ድማ  ማሕበራዊ ርክባቱ ክድርት መንግስቲ ኣታሓሳሲቡ።

ቀዳመይቲ ሚኒስተር: ማግዳሊና “ኣብ ኣዝዩ ዝለዓለ ጥርዚ ምስፍሕፋሕ መልከፍቲ  ኢና ንርከብ” ክትብል ኣታሓሳሲባ። እቲ ኣብ ልዕሊ ሓለዋ ጥዕና ክህልው ዝኽእል ጸቐጢታት ኣዝዩ ልዑል ከምዝኾነ’ውን ተሓቢሩ’ሎ።

ብዘይጥርጥር፡ ኩነታት ናይዚ መልከፍቲ እንዳገደደ ይመጽእ ኣሎ። እዚ ኣብ ሽወደን ዝርአ ዝሎ ምስፍሕፋሕ ናይ መልከፍቲ ኣብ ታሪኽ ናይ ሽወደን እቲ ዝዓበየ ምዃኑ እዩ ዝንገር።

ብተወሳኺ’ውን መንግስቲ ሽወደን ኣብ ውሽጢ ናይ ገዛ ዝግበሩ ኣኼባታት ንኽተርፉ ዘተሓሳሰበ ኮይኑ፡ ኣብ ናይ ርሑቕ መንገዲ ዝግበሩ ጉዕዞታት ድማ ኣንጻር መልከፍቲ ክውሰዱ ዝግብኦም መምርሕታት ክትግበሩ ኣታሓሳሲቡ’ሎ።

እዞም መምርሕታት ግዝያውያን እዮም። ይኹን እምበር መንግስቲን ዝምልከቶም ኣካላትን ነዚ ኩነታት ኣመልኪቶም በብእዋኑን ብቐጻሊን ግምገማታት ክገብሩ እዮም” ክትብል ኣንደርሾን ገሊጻ።

ሚኒስተር ማሕበራዊ ጉዳያት: ሌና ሃለንግሬን: ብወገና ከምዝሓበረቶ፡ እቲ ኣብ ናይ ሓለዋ ጥዕና ዝርአ ዘሎ ኩነታት እንዳሓመቐ እዩ ዝመጽእ ዘሎ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ሆስፒታላት ዝነበረ መጠን ናይ ሕሙማት ብ40 ሚእታዊ ከምዝወሰኸ እያ ገሊጻ። ኣብ ገዝኡ ኮይኑ ክሰርሕ ዝኽእል ኩሉ፡ ኮምኡ ኽገብር እንተዝጅምር ይምረጽ” ክትብል’ውን ደጊማ ኣታሓሳሲባ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com