Friday , May 3 2024
Botswanan President Mokgweetsi Eric Keabetswe Masisi.(Spencer Platt/Pool Photo via AP) XUN406

ኣብ ሃገረ ቦትስዋና፡ 19 ሉኩፋት ኦሚክሮን ተረኺቦም

ቦትስዋና ድሕሪ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ካልኣይቲ ሓድሽ ዓሌት ኮቪድ -19 ኦሚክሮን ዝተረክባ ኣፍሪቃዊት ሃገር ኮይና ኣላ። ብጠቕላላ 19 ሉኩፋት ተፈሊጦም ኣለው፡ ኣርባዕተ ካብኣቶም ኣቀዲሞም ተፈሊጦም ዝነበሩ ምኻኖም ሚኒስተር ጥዕና፡ ኤድዊን ዲኮሎቲ፡ ምስ ማዕከናት ዜና ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ።
እታ ሃገር፡ እዚ ሓድሽ ዓሌት ቫይረስ፡ ብዕለት 7 ሕዳር ብዲብሎማስያዊ ስራሕ ናብታ ሃገር ኣብ ዝኣተው፡ ኣርባዕተ ወጻእተኛታት ኣብ ዝተገብረ መርመራ ከምዝተረክበ ዝሓለፈ ዓርቢ ከም ዝሓበረት ተፈሊጡ።
ቦትስዋና፡ ዜግነት ናይቶም ናብታ ሃገር ዝኣተዉ ኣርባዕተ ሰባት ምቅላዕ ከም ዝነጸገት፡ እዚ ከኣ መንነት እቶም ሰባት እንተ ተፈሊጡ፡ ነቲ ቫይረስ ካብዚ ዘለዎ ንላዕሊ፡ ጆኦ -ፖሎቲካዊ መልክዕ ከየትሕዞ ስግኣት ከምዘሎ ተገሊጹ።
ዝበዝሑ ካብቶም 19 ሉኩፋት፡ ናይ ወጻኢ ዜግነት ዘለዎም እዮም። ብመሰረት ዲኮሎቲ፡ ዝበዝሑ ካብኣቶም ኣብ ሓደ ውራይ ተሳቲፎም ምንባሮም ተፈሊጡ።
ቦትስዋና፡ ከባቢ 195,000 ብዝሒ ኮሮና ቫይረስ ክትምዝግብ ከላ፡ ልዕሊ 2,400 ሞት በቲ ቫይረስ ከም ዝጋጠመ ገሊጻ። ልዕሊ 20% ጥራይ፡ ካብ ብዝሒ ህዝቢ እታ ሃገር፡ ምሉእ እብረ ክታበት ከም ዝተከትቡ ከኣ ተሓቢሩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com