Saturday , May 4 2024

ኣብ ሃገረ ኢንግሊዝ ዝተራእየ ሓዲሽ ተላባዒ ቫይረስ ኣብ መላእ ዓለም ሻቕሎት ይፈጥር።

ተመሳሳልነትን ምስ ኩሮና ቫይረስ ምኻኑ ዝተነግረሉ ሓዲሽ ተላባዒ ቫይረስ ፡ ኣብ ሃገረ እንግሊዝ ከም ዝተርኣየ ሰብ መዚ መንግስቲ እታ ሃገር ሓቢሮም። በዚ መሰረት ኣብ መላእ ኤውሮፓ ብዝዕባ እዚ ጉዳይ ዓቢ ሻቅሎት ስለ ዝተፈጥረ ፡ ዓበይቲ ጥንቃቀታት ክግበር ፡ ነፍሲ ወከፍ መንግስቲ ኣድላይ ዘበለ ስጉምትታት ኣብ ምውሳድ ከም ዝርከባ ይግለጽ ኣሎ።

ብመሰርት ክሳብ ሕጂ ተረኺቡ ዘሎ ሓበሬታ ፡ ብዙሓት ሃገራት ኤውሮፓ ምስ ሃገረ ኢንግሊዝ ዘራኽበን ናይ መገሻ መስመራት ይዓጽዋ ከም ዘለዋ ይሕበር። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ፡ ብመሰረት ሰብ ስልጣን ሽወደን እቲ ሓድሽ ቫይረስ ኣብ ጎሮቤት ሃገር ዴንማርክ ስለ ዝተራእየ ፡ ንዴንማርክን ኢንግሊዝን ሓዊስካ ናይ መገሻ ክልከላ ክግበር ተጠሊቡ ኣሎ። ምስ እዚ ኣብ ስተኣሳሰር ዜና ሚንስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ሽወደን ሚካኤል ዳንባሪ፡ መንግስቲ ምስ ሃገረ እንግሊዝ ዝግበር ካብን ናብን መገሻ ክኽልከል ኣገዳሲ ምኻኑ ምስ መንግስቲ መኺሩ ሎሚ ኣምስይኡ ውሳነ ክዋሃበሉ ምኻኑ ሓቢሩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com