Sunday , May 5 2024
Despite omikron's spread, no further restrictions are expected at the start of the semester Foto: Björn Larsson Ask/SCANPIX Code: 30092

ኣብ ልዕሊ ቤት ትምህርታት ዝተወስዱ ተወሰኽቲ መምርሒታት የለዉን

ድሕሪ በዓላት ልደት፡ ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰሙንን ፈረቓን ቤት ትምህርትታት ናይታ ሃገር ክኽፈቱ ምዃኖም ተፈሊጡ። ጎናጎኒ ምስ’ዚ ድማ እቲ ኣዝዩ ተላባዒ ዝኾነ ኦሚክሮን ጅር እቲ ዓብላሊ ቫይረስ ዝኾነሉ ግዜ ከም ዝኾነ ትጽቢታት ኣለው። ይኹን እምበር፡ በዓል መዚ ኣገልግሎት ህዝባዊ ጥዕና ሽወደን (Health Agency of Sweden-FHM) ኣብዚ ሰዓት’ዚ: ነዚ ሕጂ ዘሎ ምልባዕ ንምክልኻል: ኣብ ልዕሊ ቤት ትምህርትታት፡ ተወሳኺ መምርሕታትን ስጉምትታትን ምትእትታውን ኣየድልዩን እዮም ዝብል መርገጺ ከምዝሓዘ ተሓቢሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።
ካብ ታሕሳስ 23 ጀሚሩ፡ ኣብ ህዝባውያን መጉዓዝያታት ናይ ኣፍ መሸፈኒ ምጥቃምን ኣብ ገዛ ኴንካ ምስራሕን ዝኣመሰሉ ብርክት ዝበሉ ሓደሽቲ ምኽሪታትን ለበዋታትን ከም ዝተኣታተዉ ዝዝከር’ዩ። ይኹን እምበር፡ እዞም መምርሕታት ነቶም ትምህርታዊ ንጥፈታት ናይ ቅድመ-ቤት ትምህርትታትን ቤት ትምህርትታት ከምዘይምልከቱ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።
“ኣብ ቤት ትምህርትታት ክትግበሩ ዝኽእሉ ፍልይ ዝበሉ ካልኦት መምርሕታት ኣለው። ጽቡቕ ዝኾነ ኣካይዳ ናይ ትምህርቲ ንክረኽቡ ምግባር ብዘይ መጠን ኣገዳሲ ምዃኑ ንኣምን ኢና” ክብል ኣንደሽ ቴግኔል፡ ኣብ FHM ሓላፊ ስነ-ሕማም ለበዳ ገሊጹ።
ከም ድሌት FHM እንድሕር ኮይኑ፡ ንቅድመ-ቤት ትምህርትታትን ቤት ትምህርትታትን ተወሰኽቲ መምርሕታትን ስጉምትታትን ኣብ ክንዲ ምትእትታው ዝሐሸ ነቶም ተማሃሮ ዝጠቅም እማመታት ክትግበሩ ይምርጽ። እዞም እማመታት ድማ፥ ዝበዝሐ ግዜ ኣብ ደገ ምሕላፍ ምፍታን፣ ጽቡቕ ስነ-ጥዕና ንኽህልዎም ምጽዓር፣ ንወለዲን ንተመሃሮን ኣብ እዋን ሕማም ክግበሩ ብዛዕባ ዝግብኦም ጥንቃቐታትን ህዝቢ ዝበዝሐሎም ቦታታትን ዘይ ምዝውታርን ዝኣመሰሉ እዮም። ካብዚኣቶም ንላዕሊ ዝምጠጡ መምርሕታት ኮነ ናይ ርሕቀት ትምህርቲ ምትእትታው፡ ኣካል ናይቲ ኣጀንዳ ኣይኮኑን።
“ኣብዚ ሕጂ ሰዓት፡ ተወሰኽቲ መምርሕታት ምትእትታው ኣብ ዘድልየሉ ወቅቲ ኣይኮናን ዘለና። ኣድላይነቱ፡ ሕድሕድ ጉዳይ ኣመልኪትና መዓልታዊ ኣብ ንገብሮም ገምጋማት ንርእዮ ጉዳይ እዩ ዝኸውን። ብሓፈሻ ኣብዚ እዋን እዚ፡ ኣብዛ ሃገር ናይ ርሕቀት ትምህርቲ ምትእትታው ኣድላይ እዩ ኢልና ኣይንኣምንን። ብርግጽ ካብዚ ሕጂ ዘሎ ዝገደደ ምልባዕ  እንተተፈጢሩ ነዚ ንምዕጋት ምናልባት ንሓጺር ግዜ ደው ከነብሎ ኣድላይ ዝኾነሉ ግዜ ክህሉ ይኽእል’ዩ” ይብል ኣንደሽ ቴግኔል።
ተተ፡ ከም ናይ መወዳእታ ስጉምቲ፡ ቤት ትምህርትታት ምዕጻው ክውሰድ ዝኽእል ስጉምቲ ድዩ?
 እወ፡ እቶም ካልኦት ዘተኣታተናዮም ስጉምትታት ውጽኢታዊ እንድሕር ዘይኮኖምን፡ ኣዝዩ ጽዑቕ ምስፍሕፋሕ መልከፍቲ እንድሕር መጽዩን፡ ቤት ትምህርትታ ክዕጸው ይኽእሉ እዮም ክብል ኣንደሽ ገሊጹ።

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com