Saturday , May 4 2024
Anti-animal cruelty legislation is being tightened Foto: Christine Olsson / TT / Kod 10430

ኣብ ልዕሊ እንስሳታት ንዝፍጸም ጭካነ፡ ዝኸበዱ መቅጻዕታት ክብየኑ እዮም

ባይቶ ሽወደን፡ ኣንጻር እንስሳታት ኣብ ልዕሊ ዝፍጸም ጭካነ፡ ዝኸበደ መቕጻዕቲ ንምትግባር ብዝምልከት በቲ ናይ ገበነኛታት መቕጽዒ ቅጥዒ (Criminal Code) ኣቢሉ ለውጢ ንኽተኣታቶ ከምዘድመጸ ተፈሊጡ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።
ካልኦት ጉዳያት ሓዊሱ፡ ኣንጻር እንስሳታት ንዝበጽሕ ሕሰም ጽንኩር ዝኾነ ናይ መቕጻዕቲ መስርሕ ዘተኣታተወ ኮይኑ፡ በዚ መሰረት እቲ መቕጻዕቲ እንተወሓደ ናይ 6 ኣዋርሕ እንተበዝሐ ድማ ናይ 4 ዓመት ማእሰርቲ ከም ዝኾነ ተፈሊጡ’ሎ።
ኣብ ዝሓለፉ እዋናት፡ ኣንጻር እንስሳታት ዝፍጸም ግፍዒ እንተበዝሐ ንናይ 2 ዓመታት ማእሰርቲ ጥራሕ እዩ መቕጻዕቲ ዝውሰን ነይሩ።
ነዞም እንስሳታት ብዝምልከት፡ ዘይእመን ኣገዳሲ ዓወት እዩ! ኣንጻር እንስሳታት ዝፍጸም ወንጀል፡ ኣኽቢድካ ክውሰድ ዘለዎ ጉዳይ ኮይኑ፡ እቲ ናይ ሎሚ ውሳኔ ድማ፡ ኣንጻር እንስሳታት ንዝፍጸሙ ወንጀላት ብዝምልከት፡ እቲ ዝግብኦ ክብደት ክዋሃቦን በቲ ሕጋዊ መስርሕ ድማ ቀዳምነት ክግበረሉ ዘለዎን ጉዳይ እዩ” ክትብል ፕረዚደንት ተጣበቕቲ መሰል እንስሳታት፡  ካሚላ ቤርግቫል፡ ኣፍሊጣ።
እቲ ገበን ከቢድ ምዃኑን ዘይምዃኑን ዝውስኖ እቲ ኣብ ልዕሊ እንስሳታት ዝወረደ ገበን ስቓይ እንድሕር ፈጢሩ ከምኡ ድማ ንብዙሓት እንስሳታት ዝምልከት ፍጻመ ድዩ ዋላስ ብኻልእ መልክዕ ብፍሉይ ሓላፍነት ብዝጎደሎ ወይ ድማ ሓደገኛ ብዝኾነ ኣገባብ ዝተፈጸመ እዩ” ዝብል ከምዝኾነ እቲ ሕጋዊ ሰነድ ኣፍሊጡ’ሎ።
ካብዚኦም ንእሽ ዝበሉ ኣንጻር ድሕነት እንስሳታት ዝፍጸሙ ገበናት፡ ኣብ ክንዲ ናብ ናይ ገንዘብ መቕጻዕቲ፡ ናብ ናይ ክሲ ፍርዲ ከምርሑ ከምዝኽእሉ ተፈሊጡ። እዚ ማለት፡ ናብ ዝዓበየ ውጽኢት ከምጽእ ዝኽእል ናይ ከሲ መስርሕ ዝወስድ ኮይኑ፡ ነቶም ዘጋጥሙ ናይ ሕጊ ምጥሓስ ዝኣልዩዎም እቶም ቤት ፍርዲታት ዘይኮኑስ እቶም ናይ ዞባታት ቦርድ ምምሕዳራት እዮም ማለት’ዩ።

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com