Friday , May 3 2024

ኣብ ልዕሊ መኽዘን ነዳዲ ኣመሪካ: ብዝተፈጸመ ናይ ሳይበር መጥቃዕቲ: ሕጽረት ነዳዲ ኣጋጢሙ ይበሃል ኣሎ

መንግስቲ ኣመሪካ: ኣብቲ ዝዓበየ መኽዘን ነዳዲ እታ ሃገር: ድሕሪ እተኻየደ ናይ ሳይበር መጥቃዕቲ: ናይ ህጹጽ እዋን ኣዋጅ ምትሕልላፉ ተገሊጹ።

እዚ ኮሎኒያል ፓይፕላይን: ተባሂሉ ዝፍለጥ መኽዘን ነዳዲ: መዓልታዊ 2.5 ሚልዮን በርሚል ከም ዝሕዝን 45% ቀረብ ነዳዲ ዘይቲ፥ ላምባን ነዳዲ ነፈርቲን ከም ዘጠቓልል ይፍለጥ።

እዚ ዓርቢ: ብጒጅለ ወንጀላውያን ናይ ሳይበር መጥቃዕቲ ዝወረዶ ገንኢ ነዳዲ: ንቡር ኣገልግሎቱ ንኽምለስ: ኣብ ጻዕሪ ምህላዉ ኣመልኪቱ’ሎ።

ድሮ 18 ግዝኣታት ኣመሪካ ማለት: ኣላባማ: ኣርካንሳስ: ዲስትሪክት ኦቭ ኮሎምቢያ: ዴላዋር: ፍላሪዳ: ጆርጆያ: ኬንታኪ: ሉዊዝያና: ሜሪላንድ: ሚሲሲፒ: ኒውጀርዚ: ኒዮርክ: ኖርዝ ካሮላይና: ፐንሲልቫንያ: ሳውዝ ካሮላይና: ተነሰ: ቴክሳስን ቨርጂንያን ግዜያዊ ፍቓድ ኣገግሎት ህጹጽ እዋን ተዋሂብወን ምህላዉ ተገሊጹ’ሎ። እንተኾነ ግና እዚ ቀረብ ነቲ ጠለብ ፈጺሙ ዘየዕግብ ከም ዝኸውን ድሮ ተገሚቱ’ሎ። እዚ መጥቃዕቲ ንዋጋ ነዳዲ ብ 2-3% ከም ዝውስኽ ክገብር እዩ ተባሂሉ ከም ዝግመት፥ እንተ ተናዊሑ ግና ዝኸፍአ ሳዕቤናት ክህልዎ ከም ዝኽእል: ተንታኒ ዕዳጋ ነዳዲ ዘይቲ: ጎራቭ ሻርማ: ን ቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ኣመልኪቱ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com