Thursday , May 2 2024
Foto: Jessica Gow / TT kod 10070

ኣብ ልዕሊ ፖለቲከኛታት ዝወርድ ጽልኢ ንምንካይ ክስርሓሉ እዩ።

ኣብ ምምሕዳራት ከተማን ኣውራጃታትን ኣብ ልዕሊ ፖለቲከኛታት ዝወርድ ጽልኢ፥ ምፍርራህን ምንግልታዕን ንምምሕያሽ ሕጂ’ውን ገና ክስርሓሉ ከም ዝግባእ ተገሊጹ። ዝበዝሑ ካብዘን ትካላት ኣብ ልዕሊ ፖለቲከኛታት ዝወርድ ጽልኢን ምፍርራህን እንኣልየሉ ኣገባብ ኣሎና እኳ እንተበሉ ዝያዳ ስግኣታት ዝውገደሊ ኣገባብ ንምንዳይ ክስራሓሉ ከም ዝግባእ ማሕበር ኣመሓደርቲን ዞባታትን ንሬድዮ ሽወደን ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ኣመልኪቱ። “ምስ ኣድመጽቲ ደው ኢልካ ኣብ እትዘራረበሉ እዋን ምስ ፖለቲከኛታት ጽልኢ ዘለዎ ሰብ ሃንደበት ይመጽእ እሞ ተጻኦ ዝመልኦ ክትዓትን ምፍርራህን ክፍኑ ትርኢ” ክትብል ኣማኻሪት ኖርኮፒን ሶፊያ ያርል ን ኣገልግሎት ዜና ሬድዮ ሽወደን ሓቢራ’ላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com