Monday , May 6 2024

ኣብ መንጎ ፊንላንድን ኣመሪካን ዝጸንሐ ንግዳዊ ርክብ ይድልድል

Oil field in Odessa, Texas, USA. ( foto: Eli Hartman / AP/TT)

ኣብ መንጎ ፊንላንድን ኣመሪካን ዘሎ ንግዳዊ ሽርክነት እናዓበየ ይኸይድ ምህላዉ ኣብዚ ቀረባ እዋን ብጉምሩክ ፊንላንድ ዝተገብረ መጽናዕቲ ኣመልኪቱ። በዚ ድማ ኣመሪካ ሳልሰይቲ ዝዓበየት መባጽሒት ሰደድ ፊንላንድ ምዃና ደጊማ ኣረጋጊጻ’ላ። ኣብ መንጎ ጥሪን መስከረምን 2023 ድማ ሓሙሻይቲ ዝዓበየት ምንጪ እታወት ፊንላንድ ኮይና ኣላ። እዚ ንግዳዊ ዝምድና ንፊንላንድ ርኡይ መኽሰብ ዘለዎ ኣብ ልዕሊ ምዃኑ፥ ኣመሪካ ከም ንግዳዊት መሻርኽቲ ኣገዳስነታ እናወሰኸ ይኸይድ ምህላዉ ዘመልክት እዩ ። ዋላ’ኳ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ብ1.6% እንተነከየ፡ ሰደድ ፊንላንድ ናብ ኣመሪካ ድልዱል ኮይኑ ምቕጻሉ፡ ኣብተን ቀዳሞት ትሽዓተ ኣዋርሕ ናይ 2023 ከኣ 4.8 ቢልዮን ዩሮ ምብጽሑ ተፈሊጡ። ናብ ኣመሪካ ዝግበር ሰደድ ብ 67.1% ርኡይ ዕብየት ኣርእዩ’ሎ። ካብ ኣሜሪካ ዝኣቱ ንብረት ብተኣማዲ ርኡይ ወሰኽ ብምግባር፡ ኣብ ተመሳሳሊ እዋን ብ 15.6% ወሲኹ ናብ 3.1 ቢልዮን ዩሮ ዓብዩ’ሎ። እዚ ድማ ኣብ 2022 ብ 78.4% ዓብዪ ወሰኽ ስዒቡ ዝመጽእ ኮይኑ፡ እዚ ድማ ካብ ኣመሪካ ዝግበር ሽመታ ብቐጻሊ ይዓቢ ከምዘሎ ዘመልክት እዩ። ኣብ ጉምሩክ ፊንላንድ ዳይረክተር ስታቲስቲክስ ኦሊ-ፔካ ፔንቲላ፡ ኣሜሪካ ከም ንግዳዊት መሻርኽቲ ፊንላንድ እናዓበየት ምምጽኣ ዓብዪ ትርጉም ከም ዘለዎ ይገልጽ። ንግዲ ኣቑሑት ብፍላይ ድማ ኢንዱስትርያዊ ማሽነሪታትን ፍርያት ነዳድን ንፊንላንድ ርኡይ ምንጪ መኽሰብ ኮይኑዋ’ሎ። ምስ ሩስያ ነበረ ንግድ ምቊራጹ ስዒቡ ካብ ኣሜሪካ ዝኣቱ ድግድፍ ነዳዲ ምውሳኹ ሓደ ስትራተጂካዊ ለውጢ እዩ። ካብ ፊንላንድ ናብ ኣሜሪካ ዝለኣኽ ሰደድ ብዓብላልነት ኢንዱስትርያዊ ማሽነሪታት፣ መሳርሒታትን ፍርያት ነዳድን ኣመሰለ ፍርያት እዩ። ዋጋ ሰደድ ፍርያት ዝተጻረየ ነዳዲ፡ ሓጺንን ወረቐትን ክጎድል እንከሎ፡ ኣብ ኢንዱስትሪ ኬሚካል፡ መጓዓዝያን ማሽነሪታትን ዝግበር ሰደድ ድማ ወሰኸ ኣርእዩ’ሎ። ኣመሪካ ኣብ 2018 ስክፍታታት ንሃገራዊ ጸጥታ ብምጥቃስ ዝጸዓነቶ ቀረጽ ሓጺንን ኣሉሚንየምን ኣብ ሰደድ ፊንላንድ ምድኻም ኣስዒቡ ኔሩ እዩ። ይኹንምበር፡ ኣብ መወዳእታ 2021 ኣብ መንጎ ሕብረት ኤውሮጳን ኣመሪካን ዝነበረ ዘይምርድዳእ፡ ነዞም ቀረጽታት ክሳብ 31 መጋቢት 2025 ንምእላይ ዝተገብረ ስምምዕ ስዒቡ ፡ ንግዳዊ ዝምድናታት ናብ ንቡር ንምምላስ ሓጊዙ እዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com