Friday , May 3 2024

ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣርላንዳ ነዊሕ ሪጋ ተፍቲሽ ኣጋጢሙ

Credit: Pierre Gewerth

ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣርላንዳ ናይ ጸጥታ መርመራ ክሓልፉ ዝጽበዩ ዝነበሩ ተጓዓዝቲ፡ ሎሚ ሓሙስ ንግሆ ነዊሕ ሪጋ ከም ዘጋጠሞም ተሓቢሩ። እዚ እናኾነ ኣብ ተርሚናል 5 ይካየድ ዝነበረ ዝዓበየ ተፍቲሽ ብሰንኪ ቴክኒካዊ ጸገም ክዕጾ ከምዝተገደደ ሬድዮ ሽወደን ሓቢራ። እቲ ጸገም ሕጂ ተኣሪሙ’ሎ። ኣብ ተርሚናል 5 ዝካየድ ዘሎ ሓድሽ ናይ ጸጥታ መርመራ፡ ዝሓለፈ ሓጋይ ካብ ዝኽፈት ንደሓር ጸገም ከጋጥሞ ንፈለማ እዋን ከምዘይኮነ ብተወሳኺ ተሓቢሩ’ሎ። እዚ እናኾነ ትካል ስደተኛታት ሓደ ወዲ ተባዕታይ ሓታቲ ዑቕባ ሓደገኛ ክኸውን ከም ዝኽእል ሓበሬታ ምስ በጽሖ፡ ኣብቲ ዕሉል እስላማዊ ሓለዋ ሰውራ ኢራን ድማ ይሰርሕ ምንባሩ ንኣገልግሎት ስለያ ሳፖ ንምሕባር ዳርጋ ዓመት ከም ዝወሰደሉ እቲ ትካል ሓቢሩ። ኣብ ሽወደን ዑቕባ ዝረኸቡ መጻምድቲ ወኪላት ስለያ ኢራን እዮም ኣይሁዳውያን ንምቕታል ከኣ መደብ ኣለዎም ተባሂሎም ከምዝተጠርጠሩን መርመራ ኣገልግሎት ዜና ሬድዮ ሽወደን ኣቃሊዑ። ሓላፊት ሃገራዊ ክፍሊ ስርሒታት ኤጀንሲ ሚግሬሽን ሳራ ኤህማን ንኣገልግሎት ዜና ሬድዮ ሽወደን ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ ብዛዕባ እቲ ሓበሬታ ንሳፖ ቅድሚ ምሕባሮም ነቲ ጉዳይ ክምርምሩ ከም ዝደልዩ ገሊጻ’ላ። ብኻልእ ዜና ብሕቡእ ከም እንዳ ኣመንዝራ ኮይኑ ዝሰርሕ ናይ ክርስቲያንስታድ እንዳ ማሳጅ ኣገልግሎት ክወሃቦም ክፍሊት ናይ ዝፈጸሙ ዳርጋ 200 ሰባት ኣስማት ኣብ ኢንተርነት ከምዝተዘርግሐ ጸብጻባት ማዕከናት ዜና ሓቢረን። ኣብቲ “ዝርዝር ስዊሽ” ገለ ተኣፋፊ ኣስማት ምንባሩ ተፈሊጡ’ሎ፡፡ ሓንቲ ታይላንዳዊ ኣገልግሎት ማሳጅ እትህብ ተመሲላ ነቲ ኣመንዝራታት ተመሓድር ምንባራ ዝተረጋግጸት 54 ዝዕድሜኣ ሰበይቲ ኣብዚ ሰሙን ብፖሊስ ተታሒዛ’ላ። ፖሊስ ነቶም ኣስማት ንምሽፋን ዝተጠቕመሉ ሜላ ግን ጉድለት ተራእይዎ እዩ ክትብል ጋዜጣ ክርስቲያንስታድ ስብላዴት ንመጀመርታ ግዜ ጸብጺባ’ላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com