Monday , May 6 2024

ኣብ ማሌዥያ፡ መምህር ብዛዕባ ጾታዊ ምድፋር ብምውዛዩ፡ መዘራረቢ ማሕበራዊ ሜድያ ይኸውን

17 ዝዕድሜኣ፡ ማሌዥያዊት ተመሃሪት፡ መምህራ፡ ብዛዕባ ጾታዊ ምዕማጽ ዋዛ ምድርባዩ ብምምልካት ነቲ ጒዳይ ናብ ማሕበራዊ ሚድያ ከም ዘምርሕ ብምግባራ ዓብዪ መዛረቢ ኣርእስቲ ከፊታ ትርከብ።

ንሳ፡ ኣብ ክፍሊ፡ ብዛዕባ ሕጊ ጾታዊ ምድፋር ትሕቲ ዕድመ እናዘተና፡ መምህርና፡ ከምዚ እንተኾይኑ 18 ዓመት ዝመልኣ ደቂ ኣንስትዮ ኢኹም ትደፍሩ፡ ክብል ዋዛ ሰው ከም ዘበል ትገልጽ። እቶም ደቂ ተባዕትዮ ተመሃሮ፡ በቲ ናይ መምህሮም ዘረባ፡ ከም ዝሰሓቑ ዘስተውዓለት እዛ ተመሃሪት፡ ምዕማጽ ደቀንስትዮ፡ ከመይ ኢሉ እዩ መዋዘይ ኣርእስቲ ዝኸውን ብዝብል ቊጥዐ፡ እቲ ጒዳይ ናብ ካልእ መምህር ከም ዝስማዕ እኳ እንተገበረት፡ ኣመና ስምዒታዊት ኮንኪ ኣለኺ ብዝብል ኣወንታዊ መልሲ ከም ዘይረኸበት ትገልጽ። በዚ ድማ እቲ ጒዳይ ናብ ዘተ ክቐርብ ናብ ማሕበራዊ ሜድያ ከም ዘምራሓቶ ገሊጻ።

ብዛዕባ ጾታዊ ዓመጽ ብዝምልከት፡ ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ዘሎ ኣገባብ ኣረኣእያን ባህልን፡ ካብ ዝነቕፉ ሰባት ዓብዪ ደገፍ ምርካባ እውን ተገሊጹ። ካልኦት ድማ፡ ኣርእስቲ ደርፊ ብምግባር፡ ዜማ ከም ዝሰረሑሉ ተፈሊጡ ኣሎ።

ብኻልእ ወገን፡ ንተራ ዋዛ፡ ናብ ከምዚ ዝበለ መዛረቢ ኣርእስቲ ምቕያር ኣይምተገብአን ዝብሉ ነቐፍቲ እውን ኣይተሳእኑን።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com