Monday , May 6 2024

ኣብ ማእከላይ ስቶክሆልም ዝርከብ ሓደ ቤትጽሕፈት መንግስቲ ሽወደን ንኻልኣይ ግዜኡ ሸጉጥ ከምተሰርቀ ተሓቢሩ።

ኣብ ማእከላይ ስቶክሆልም ዝርከብ ሓደ ቤትጽሕፈት መንግስቲ ሽወደን ንኻልኣይ ግዜኡ ከም እተራሰየ ጋዜጣ ኣፍቶንብላዴት ጸብጺባ። ካብ ማዕከን እዚ ቤትጽሕፈት ሽጉጥ ከም እተሰርቀን እዚ ስርቂ ኣብዚ ቀዳመ ሰንበት ኣጋጢሙ ክኸውን ከም ዝኽእልን ግምቱ ሂቡ’ሎ። መንግስቲን ሓለዋ እቲ ቤትጽሕፈትን ኣብዚ ጒዳይ ኣመልኪቶም ርእይቶ ካብ ምሃብ ተቘጢቦም ኣለዉ።

ቅድሚ ሰሙን ኣቢሉ ኣብ ወርሒ ሕዳር ኣብ ስቶክሆልም ካብ እንዳ ኣጽዋር ቤትጽሕፈት ኣማኢት ተተኰስትን ብርክት ዝበለ ብረታት ከም እተራሰየ ድማ ተፈሊጡ። ብመሰረት ፖሊስ ብጠቕላላ ሽዱሽተ ግሎክ 17 ዝዓይነቱ ብረታት 300 ጠያይቲ ካብዚ እንዳ ሓለዋ መንግስቲ ጠፊኡ’ሎ። እዚ ቤትጽሕፈት መንግስቲ ቀድማይ ሚኒስተር ሽወደን ስቲፈን ሉፈንን ሚኒስተር ፍትሕን ኢሚግሬአሽንን ሞርጋን ጆሃንሰን ዝሰርሑሉ እዩ ድማ ተባሂሉ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com