Thursday , May 2 2024
Central Africa Republic President Faustin-Archange Touadéra sits during his inaugural ceremony in Bangui Tuesday March 30, 2021. Touadera is being sworn in for a second term amid mounting threats to his presidency. (AP Photo/Adrienne Surprenant) CAR101

ኣብ ማእከላይ ኣፍሪቃ ብዝተኽስተ ግጭት: 13 ሰባት ምሟቶም ተገሊጹ

ኣብ ማእከላይ ኣፍሪቃ ብዝተኸስተ ግጭት: 13 ሰባት ከም እተቐትሉ: ተልእኾ ዓቃብ ሰላም እታ ሃገር ኣፍሊጡ።

እቲ ብሚኑስካ ኣብ ዝፍለጥ ተልእኾ ተዋፊሩ ዘሎ ኣካል: 13 ሬሳታት ካብ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር: ባንግዊ: 300 ኪሎሜትር ርሒቑ ኣብ ዝርከብ ቦታ ወዲቖም ከም ዝረኸቡ ኣፍሊጡ’ሎ።

እቲ ተልእኾ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ: ነዚ ፍጻመ ከጽንዖን ፈጸምቲ ናይዚ ገበን ድማ ናብ ፍርዲ ከቕርቦምን ምዃኑ ገሊጹ።

ኣብ 2013: ተቓለስቲ ስልጣን ድሕሪ ምሓዞም: ኣብታ ዝበዝሑ ዜጋታታ ተኸተልቲ እምነት ክርስትና ዝኾኑላ: ሃገረ ማእከላይ ኣፍሪቃ: ከቢድ ዕግርግርን ጎነጽን ከም እተኸስተ ዝዝከር እዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com