Monday , May 6 2024

ኣብ ማያዊ መናፈሻ ሊሰበርግ ባርዕ ሓዊ ይለዓል

Credit: Hasse Andersson/Sveriges Radio

ሰራሕተኛታት መጥፋእቲ ሓዊ ማእከላይ ዮተቦሪ ኣብዚ ሓጋይ ክኽፈት ተወጢኑ ዝነበረ ሓድሽ መስሕብ “መናፈሻ ማይ” ዋተርፓርክ ሊሰበርግ ዘጋጠመ ባርዕ ንምግታእ ይጽዕሩ ኣለዉ። ኣብቲ ቦታ ዓቢ ናይ ምድሓን ጻዕሪ ይካየድ ኣሎ። በዚ ድማ ኩሉ ተቐማጣይ እቲ ከባቢ ኣብ ውሽጢ ገዝኡ ክጸንሕ፥ መስኮት ማዕጾን መዝሓሊን ከኣ ንግዜኡ ክዓጽዉ ዝምዕድ ኣገዳሲ ህዝባዊ መተሓሳሰቢ ቪኤምኤ ወጺኡ ኣሎ። እቲ ባርዕ ንግሆ ከምዝተላዕለ እዩ ዝንገር ዘሎ። ብመሰረት ኣገልግሎት ህይወት ኣድሕን እቲ ባርዕ በቶም ስርሓት ፕላስቲክ ዝኾኑ ስላይድስ ዝጀመረ ክኸውን ይኽእል እዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com